Skip to content

Green color

Narrow screen resolution  Wide screen resolution  Increase font size  Decrease font size  Default font size  Skip to content
Home arrow Projects arrow ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: “ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ፤ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኩሉና እዩ”:
ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: “ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ፤ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኩሉና እዩ”: PDF Print E-mail
Saturday, 30 September 2006
“ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ፤ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኩሉና እዩ” ብዝብል ቴማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ብዕለት 28 መስከረም 2006 ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006

እዚ ብምኽንያት ታሪኻዊት ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰረታውያን መሰላት ንምቅዋም ኮይኑ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ጠለባት ንኸማልእ ይጽውዕ።

1. ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ጎነጽ፡ ከም ብሃውሪ ምእሳር፣ ደሃይ ምጥፋእን ካልኦትን፡ ብዘይቅድመ-ኩነት ደው ክብል፤
2. ኣብ ኤርትራ ኩሎም ናይ ፖለቲካ፣ ሕልናን ሃይማኖትን እሱራት ብዘይቅድመ-ኩነት ክፍትሑን ክከሓሱን፤
3. ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምህናጽ ኣብ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዝተመርኮሰ፡ ንመሰልን ክብርን ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዘውሕስ ስርዓተ-ምሕደራ ብዘይቅድመ-ኩነት ክጅመር።

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006

እዚ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ ኣስታተ ሓደ ሚኢቲ ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኤርትራውያን ከምዝተሳተፍዎን ብዙሓት ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣካል ክስተፉ ዘይከኣሉ ኸኣ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣዳላዊ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ድ.ሰ.መ.)፡ ብምድዋል ደገፎም ከምዝገለጹን፤ ንመዳለዊ ሰለፊ ዝኸውን ልዕሊ 10,000 ራንድ (ባጤራ ደቡብ ኣፍረቃ) ኣዋጺኦም። ካብ ኣፍሪቃ፣ ኤሮፓን ኣመሪካን እውን ንመካየዲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኸወን ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ ጌሮም።

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006






ሰልፈኛታት በቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተወጠነ መደብ መሰረት፡ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኩንስ ውድ ስኬር ተባሂሉ ዝፍለጥ ተኣኻኺቦም። እዚ መኣከቢ ቦታ ካብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ 30 ደቃይቅ ርሕቀት ጉዕዞ እግሪ ኣቢሉ ይኸውን። ጉዕዞ እግሪ ልክዕ ሰዓት 10፡30 ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብን ልዑል ስነ-ስርዓትን ጀሚሩ። ሰልፈኛታት ስእልታት እቶም ኣብ ጎዳጉድን ኰንተይነራት ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ፡ ሃይማኖትን፡ ሕልናን እሱራት ዘለዎ ጻዕዳ ካናተራ ተኸዲኖም ኔሮም። ኣብ ግዜ እግሪ ጉዕዞ ሰልፈኛትት ታቤላታትን ባንዴራ ኤርትራን ሒዞም፡ ብተደጋጋሚ ብትግርኛ፣ ብዓረብኛን እንግሊዘኛን ጭርሖታት እንዳጨርሑ ሰልፎም ቐጺሎም። ካብቶም ጭርሖታት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፦

• “ፍትሒ፡ ሕላገት ኤርትራውነት እዩ!!”
• “ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኩሉና እዩ!!!”
• “ልሳን ንዝሳኣኑ ልሳን ንኹኖም!!”
• “ናይ እምነት መሰል ይትሓሎ!!!”
• “ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ!!”
• “ናይ ሃይማኖት እሱራት ይፈትሑ!!”
• “ሕለና እሱራት ይፈትሑ!!”
• “ቕዋም ይተግበር!!”
• “ልዕልና ሕጊ ይከበር!!”

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006

ልክዕ ሰዓት 11፡00 ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ በጺሖም። ዋላ’ኳ ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቀድም ኣቢሉ ተሓቢርዎ እንተነበረ፡ ብኣካል መጽኡ ንሰልፈኛታት ሕትኦም ክምልሸሎም ወይ ናይ ኣቤቱታ ደብዳቤ ክቅበሎም ግን ኣይከኣለን። ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ትሕዝቶ ናይ ኣቤቱታ ደብዳቤ ብኣቶ ኩሉበርሃን ኣብርሃም፡ ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተነቢቡ። ካልአኦት ዝተፈላለዩ ንጠፈታት፡ ከም ምንባብ ናይ ደገፍ መልእኽትታት፣ ግጥመታትን፣ ጭርሖታት ምጭራሕን መዝሙራትን ድማ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ተኻይዶም።

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006
Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006


ቐጺሉ ኣቦ ወንበር ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ንሰልፈኛታት መደረ ኣስሚኡ። ኣቶ ሳሙኤል ኣብ ዘረባኡ “…ሎሚ መዓልቲ፡ ንወለዶታት ተዘኩሩ ዝነብር ሓደ ልዑልን ሰብኣውን ስጉምቲ ፈጺምኩም ክብል ኣፍቅዱለይ። ንፍትሒ ደው ምባል መምዘኒ ደቂ-ሰባት ምዃንና እንገልጸሉ እዩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ብምውሳንኩም ኸኣ ሓደ ዓቢ ነገር እዩ’ሞ እንቛዕ ሓጎሰኩም።…ከምዚ ብዓይንኹም ትርኢዎ ዘለኹም፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ደው ክብል ዓቅምን ርእሰ-ተኣማንነትን ከምዘይብሉ ይምስከረልኩም ኣሎ።…ነዚ ናይ ሎሚ ታሪኻዊ መደብ ዕውት ክትገብሩ ብምኽኣልኩም ደጊመ እንቛዕ ሓጎሰኩም ክብል ይደሊ።…” ሰልፈኛታት ንመደረ ኣቦ ወንበር ጣቅዒት ኣሰንዮሞ። ጭርሖታት ምጭራሕን መዝሙራት ምዝማርን ድማ ቐጸልዎ። ኣብ መወዳእታ ልክዕ ኣቀዲሙ ብዝተሓንጸጸሉ መሰረት እቲ መደብ ብሰላም ተዛዚሙ።

Photo_Demonstration_emdhr_28_9_2006

ምሽብሻብ ናይ’ዚ ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ብዙሓት ኣባለት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.ን ዘይኣባላትን ተሳታፍነት ዝተመስከረሉ ታሪኻዊ ህሞት እዩ ነይሩ።

ራድዮ መሰልና ደሊና
29 መስከረም 2006

ምሉእ ሪፖርታጅ ኣብ ቀረባ እዋን ክዝርጋሕዩ::