|
Document available in pdf Format
ካብ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዋሽንግቶን ዲሲ ጥቅምቲ 30፡ 2006 ድሓን ኩኒ ፍርሒ፡ ድሓን ዓሊ ራዕዲ፣ ተሳዒሩ ናይ ሓሶት ሕዛእቲ ተደፊሩ ናይ ተንኮል በዓቲ!
"ንኩሉ ግዜ ኣለዎ!" ዝተባህለስ ለካ፡ ከምዚ ምስ ኮነ ኢዩ ብግብሪ፡ ብዓይንኻ መድረኽ ክቀያየር ምስ ረኣኻ! በብሓደ፡ በብክልተ፡ ካብ ዳስ ህግደፍ ሰብ ጸረረ በብሓደ፡ በብክልተ፡ ገደና ቅንዕና ክዕምር ጀመረ! ኣቤት እወ፡ ሓምያን ህግደፍ፡ መዓት ከዝንቡልና፡ ሓሶት ክዋጥዩ ሰብ ጽቡቕ ሕልና፡ መስተርሆት ከምጽኡ፡ ሰናይ ክዝትዩ፣ ደበና ቅንዕና፡ ዘምብዩ ዘምብዩ ዘድመዓሉ ቦታ፡ ዝሕሾ ኣለልዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጀለምታ ጀሚሩ በብቑሩብ ነጥቢ ማይ ዓቚሩ፡ ከባቢኡ ፍሒሩ ፍሒሩ፡ ድሩቕ ንከጥልል፡ ናብ ጎልጎል ጸሪሩ! ቅንይ ኢሉ ድማ፡ ደበና ቅንዕና፡ ሰሜን ተሓምቢቡ ብየማን ብጸጋም ኣሕዋት ኣኻኺቡ ቅኑዕ ጠራኒፉ፡ እንግድዓ ደሪቡ ሃገር ኣመሪካ፡ ብምብራቕ ሰሪቡ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ጥቅምቲ 30፡ ኣብ መደበር ዓለም፡ ኣብ ዲሱ ዘኒቡ!
ድሓን ኩኒ ፍርሒ ድሓን ዓሊ ራዕዲ፣ ተሳዒሩ ናይ ሓሶት ሕዛእቲ ተደፊሩ ናይ ተንኮል በዓቲ! ኣየወ! በቲ መንእሰይ፡ በቲ ሽማግለ ብየማን ብጸጋም ምስ ተጸናበረ፣ ከም ክልተ ደበና ትግጭው ኣቢሉ ማሕታ በርቂ ምሊሕ ምሊሕ ኢሉ ነጎዳ ውጹዓት፡ ክረምቲ ኣበሲሩ! ዕልል፡ ዕልል እወ ዕልል፡ በብቁሩብ፡ ሓጋይ ኣካሒዳ ብጽድያ ርትዒ፡ ከይዳ ተጎኒጻ፣ በብቑሩብ፡ ርእሲ ኩናት ፍትሒ ክትበስዖ ጀሚራ፡ ንናይ ዓመጽ ከውሒ! ጽን በል ዕዉር፡ ጸማም ኣቋምቶ መስተርሆት ክረክብ፡ ኣርዑት ዝኸበዶ ክሓልፈሉ መግዛእቲ ዘዋረዶ ይሸብብ ኣሎ ንፋስ ቅኑዕ ባይቶ! ንዓ ኣይፋልካን፡ ንዓ ጸማም ጠምት፡ ከንፈር ኣንብብ፡ ብጥንቃቐ ኣቋምት ንትዕዝብቲ፡ ወስኸሉ ግምት! ንዓ ድማ ዕዉር፡ ንዓ ሓወይ ጽን በል፡ ኣይትሃውትት፡ ኣይትበል ደምበርበር ከይትጸድፍ እወ ከይትስበር ኣንፈት ኣለሊኻ፡ ምስ ሰብካ ተጸምበር! ብባህጊ ቅኑዓት ብሓቦ ተባዓት ብስኒት ውጹዓት ብሓድነት ኣሕዋት፣ ከይዳ፡ ከይዳ ምሳር ተንኮል፡ ሞሊቛ ለዓታ ተበሲዓ፡ ተተርቢዓ፡ ኣንጠጥያ ከይዳ፡ ስርኤል ዓምበርበብ፡ ፈሪሳ በዓታ! መድረኽ ተቐይሩ፡ ዘበን ምድንጋር፡ ከይዱ ተሳዒሩ ዓመታት ዕሽነት፡ ከይዱ ተሰጊሩ ኣሕዋት ካብትን ካብትን ሳላ ዝሰመሩ ስለ ፍትሕን ርትዕን ስለ ዝዘመሩ ሰንሰለት ህግደፍ፡ ልሕጺ ዕፉን ኮይኑ ከም ኣረጊት ጨርቂ፡ በጠጥ በጠጥ ኢሉ! ደጊም እንታይ ተሪፉ ዘበነ ዕሽነት እንድሕሪ ተሓሊፉ፡ ሓፋሽ ደም ክነብዕ፡ ዝሰሓቐ ንዕሸላት ኤረ፡ ዝደሰቐ ሹመኛ ህግደፍ፡ ከም ኣባል ኢሰፓ ኢዱ ዝረኽበላ፡ መዓልቲ ቀሪባ! ዋሽንግቶን ዲሲ ጥቅምቲ 30፡ 2006 |