Skip to content

Green color

Narrow screen resolution  Wide screen resolution  Increase font size  Decrease font size  Default font size  Skip to content
Home arrow Projects arrow ኣገዳስነት ልዙብ መኣዲ ዘተ
PDF Print E-mail
Wednesday, 01 November 2006

  Document available in pdf Format 


ኣገዳስነት ልዙብ መኣዲ ዘተ
ኣብ ምፍታሕ ወጥሪ ሃገራዊ ሽግር!!!

ብ ዑቝባይ ገብረመድህን
************

Ogba  Ghebre-Medhin

 ኣቐዲመ ነዚ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ንፍትሕን ንሓርነትን
 ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ቦታ ዝሕዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓሳብ ኣበጊሶም ክውን ንምግባሩ ከይተሓልርሉን ከይሰልከዩን ብምጽዓር ኣብዚ ክንተሓቛቘፍ ዘብቅዑና  ብፍላይ ሓው ተስፋልደት መሓረና ኣዝማሪኖ.ኮምን፡ ሓው ሳልሕ ጋዲ ዓዋተ.ኮምን ልዑል ምስጋናይ እቅርበሊም፤ ብተወሳኺ ኩሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ካልእ ርሑቕ ቦታታትን ተቐማጦ ዋሺንግቶን ዲ.ሲን.፡ ንምዕዋቱ ዝተሓባበሩ ምቕሉል ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ፡፡

ኣብዛ ዓለምና ወናኒ ህይወትካን መሬትካን ኴንካ፡ ብመንፈስን ኣእምሮን ኣካልን ዝተወሃሃደ ህይወት ራህዋን ሰላምን፡ ህይወት ምሉእ ሓርነት ምንባር እቲ ሎሚ ኣዚዩ ውሑድ ኰይኑ ዘሎ ዝዓበየ ጸጋ ወድሰብ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ህይወት እዚኣ ብዕቱብ ደሊዩዋ፤ ድሕሪ እቲ መሪርን ነዊሕን ፋሺስታውን ዓሌታውን መግዛእቲ ጣልያን፡ ብሓድነት ልዕሊ 50 ዓመታት ናይ ምስትንፋስ ዕረፍቲ ብዘይነበሮ መሪር ቃልሲ የሕሊፉ፡ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ከኣ ረኺቡዋ፡፡ እቲ ነዊሕን ተሪርን ዓቐበት ወዲኡ ሰጣሕ ጐልጐል ክኾነሉ ዝተጸበዮ ግን ብሰሪ  ውሽጣዊ ጥልመት ዝኸፍአ ጸድፊ ኮይኑ ረኺቡዎ፡፡ መደምደምታ ናይ ሓሳር መግዛእታዊ ህይወት ኣብ ክንዲ ናይ ሓርነት ህይወት ዝኸውን፡ ብቑዕ መግለጺ ዘይርከቦ ግርምቢጥ ኣጋጢሙዎ፡ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝኸፍአ ናይ ህይወት መዋጥር የሕልፍ ኣሎ፡፡

ሎሚ ኤርትራ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱን መሬቱን ብሓባር ንብረት መላኺ ሽፍታዊ ጕጅለ ኮይኑ፡ ሰሪሑን ሓሪሱን ከይኣቱ፡ ውላዱ ልኢኹ ከየዕርፍ ኣብ ጽምዋን ኣብ ኣፈሙዝ ብረትን፡ መንእሰያት ፍልጠት ከም ማይ እናጸምኣቶም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተዀሊፎም ኣብ በረኻ፡ ካብዚ ዘምለጡ መንእሰያት ፈቐዶ ኣጻምእ ምድረበዳን ባሕርን ኣደዳ ሞት፡ ካብዚ ዝሰገሩ ከኣ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከይተረፈ ተሰዲዶም ኣደዳ ስቓይን መከራን ኮይኖም፡ ወላድን ውሉድን ተፈላልዮም ሃለዋቶም ኣብ ዘይፈልጡሉ ደልሃመት ይነብሩ ኣሎዉ፡፡ ካብ ጐረቤት ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከይተረፈ ስኒትን ምትእምማንን ስለ ዝጠፍአ ህዝቢ ሓሳብ ንሓሳብ ከይለዋወጥ ተዓቢሱ ይነብር ኣሎ፡፡ እቲ ዝለዓለ ግርምቢጥ ግን፡ እቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከይተረፈ ርእይቶኡ ብናጻ ክገልጸሉ ኣብ ዝኽእል ዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ሃዋህው እናሃለወ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ብፍርሒ ተቐዪዱ፡ ምልዛብን ምምይያጥን ተሪፉስ፡ ተጋቢኡ ብሰላም ክካራኸርን ክካታዕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ኢዩ፡፡

ንዝኾነ ዓይነት ሽግር ካብ ሱሩ ንምምሓው፡ ሱር ጠንቁ ብግቡእ ምርዳእ ይሓትት፡፡ ናይዚ ሎሚ ዓብሊሉ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ምጽልማትን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ከም ዝጀመረ ብፍላይ ኣብዚ እዋን}ዚ ዘካራኽር ኣይኮነን፡፡ ሜዳ ኤርትራ ብሓደ ወገን ህይወቱ ኣወፊዩ ንሃገሩ ናጽነት ንህዝቡ ሓርነት ከምጽእ ዝተወፈየ ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብዘይካ ስልጣን ካልእ ሕልምን ዕላማን ዘይነበሮ ስልጣን ካብ ኢዱ ከይትመልቆ ዝኾነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከይብል ዝወሰነ ኣብ ናይ ክልቲኡ ግንባራት መሪሕነት ውሑድ ዝተበከለ ኣካል ሓቚፉ ይጐዓዝ ምንባሩ ይበርሃልና፡፡ ናይዚ ዝለዓለ ኣብነት ዝኾነ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ስልጣኑ ቀጻሊ ንምግባር ንሓፋሽ ተጋዳላይ ናይ ርእይቶ መሰል ፍጹም ነፊጉ፡ ነዚ ንዝበድሁ ተጋደልቲ ከኣ ኣብቲ ብናይ ሓሶት ስም §“ሓለዋ ሰውራé” ዝፍለጥ ሓለዋ ስልጣን ማእለያ ዘይነበሮም ንጹሃት ሓርበኛታት ዳጒኑ ብምምሳንን ብምሕቃቕን ካብ ንጕሆ ጀሚሩ ናይ ደሞክራሲ ትንፍስ የሕጺሩ ሕቖኡ መሲሱዎ ኢዩ፡፡ እዚ ንምርኣዩ ዘሕዝን ህልው ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ እምበኣር ድምር ውጽኢት ናይቲ ስልጣን ብዝጨበጡ ውሑዳት ዝተኻየደ ምዕምጻጽ ደሞክራሲያዊ ኣገባብን ምግሃስ ማዕርነት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ሎሚ ሕልና ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክወላወለሉ ብዘይኽእል ተጋሂዱ ኣሎ፡፡

እንተ ኾነ ግን፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ክንጋልሆን ብግልጺ ክንዛረበሉን ዘይደፈርና ዓሚቝ ሓቂ እዚ ኣይኮነን፡፡ ማሃትማ ጋንዲ ንናጽነት ህንዲ ይïቃለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ †“ህዝቢ ዝበቕዖ መንግስቲ ኢዩ ዚረክብ‹” ኪብል ከምዝተዛረበ ይፍለጥ፡፡ እዚ ዘንጽሮ ሓቂ ከኣ ህዝቢ ንሕማቕ ኩነታት ኣብ እዋኑ ብሓደ ድምጺ ምስ ዘይቃወምን ስልጣኑ ምስ ዘየረጋግጽን፡ መለኸቲ ዝዕንድሩሉ ጥጡሕ ባይታ ምሕዳግ ማለት ኢዩ፡፡ ኮይኑ ከኣ፡ ኢሳያስን ሰዓብቱን ድላዮም ክገብሩ ዕድል ዝሃብና ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ምዃና ብርእሰ ምትላል ክኽወል ዘይኽእል ሓቂ ኢዩ፡፡ ኢሳያስ ካብ ልዳት ናጽነት ጀሚሩ እትው ከይበለ ዘስምዖ  ብደዐታትን ዝወሰዶ ስጉምቲታትን(ምእንቲ ሓርነት ህዝቦም ንዝሰንከሉ ጀጋኑ ምቕታል ከይተረፈ) ነዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ጸልማት ህይወት ሃገርን ህዝብን ዚሕብር ኢዩ ነይሩ፡፡ ሕልናና ብስምዒት ተዓሚቱ ስለ ዝነበረ ግን ውሑዳት ለባማት ኣቦታት ኣስተብሂሎም ÷“ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕደረናን©” እንተ በሉ}ኳ ዝተረፍና ከነስተውዕለሉ ኣይከኣልናን፡፡ እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥረ መሪር ኩነታት ሃገር ዝህበና ኣገዳሲ ትምህርቲ እምበኣር፡ ሓርነት ካብ ንምምጻኣ ምስ መጸት ኣብ ምሕላዋ ዝህሉ ሓላፍነት ከም ዝኸብድ ኢዩ፡፡ ብመጠን እቲ ንኸነምጽኣ ዝኸፈልናዮ ዘይተኣደነ ዋጋ፡ ኣብ ምሕላዋ ዝለዓለ ትኩርነት ከነርኢ ኔሩና፡ ግን ኣይገበርናዮን፡፡

ደቪድ ቦህም ዝተባህለ ናይ ፊዝክስ ስነ-ፍልጠት ሊቅ፡ ï“ብዛዕባ ዘተ (ON DIALOGUE)š” ኣብ ዚብል መጽሓፉ ብዛዕባ ርክብ (communication)  ክገልጽ ከሎ፡ ዛጊት ብዝተበጽሐ ናይ ተክነሎጂ ምዕባለ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ርክብ፡ ካብ ሓደ ኵርናዕ ናብቲ ካልእ ኵርናዕ ዓለም ብቕጽበት ርክብ ንምግባር ተኻኢሉ ከም ዘሎ ይጠቅስ፡፡ እንተ ኾነ ግን፡ ምስ}ዚ ኩሉ ተበጺሑ ዘሎ ንምሉእ ዓለም ብቕጽበት ናይ ምርኻብ ምዕቡል ተኽእሎታት፡ ርክብ ህዝቢ ዓለም ብዓይነቱ መዘና ብዘይብሉ ደረጃ ይበታተኽ ምህላዉ ከኣ ይሕብር፡፡ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ፖለቲካውን ስርዓታት ኣብ ዘሎወን ሃገራት ዝነብሩ ኣህዛብ ከይተበኣሱ ኪዘራረቡ ምኽኣል ስኢኖም ኣሎዉ ከኣ ይብለና፡፡ ኣብኡ እቲ ዘይገለጾ ዝኸፍአን ዝመረረን ሓቂ ግን፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ፍልልዩ ብስልጡን መንገዲ ልዝብ ምፍትሑ ተሳኢኑዎ፡ ምዝርራቡ ናብ ጐንጺ ቀዪሩ፡ ብበትርን ጥይትን ንሓድሕዱ ይፋለስ ምህላዉ ኢዩ፡፡ መሰነይታኡ ብሕማምን ብዓጸቦን ዝሳቐን ዝመውትን ዘሎ ሚልዮናት ህዝቢ እውን ኣሎ፡፡

 ርክብ ሓባራዊ ምትግባር ከስምዕ ከሎ፡ ብዘይ ቅርሕንቲ (prejudce/bias) ብዘይ ምጽልላው ሓድሕዳዊ ጸቕጢ ንዝዝረብ ጽን ኢልካ ምስማዕ ይሓትት፡፡ ርክብ ብኸምዚ ኣገባብ ምስ ዚካየድ ኢዩ ኸኣ እቲ ዚድለ ግብራዊ ውጽኢት ኪርከቦ ዝከኣል፡፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ብሓንሳብ እናተቐመጥካ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎ ሜትር ከም ዝተረሓሓቕካ ክትከውን፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎ ሜትር ብኣካል ተረሓሒቕካ ከሎኻ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ብሓንሳብ ከም ዘሎኻ ክትከውን ከም ዝከኣል ተመክሮ ህይወት ይምህረና ኢዩ፡፡ ካብዚ ክንርዳእ እንኽእል እቲ ወሳኒ ረቛሒ ብኣካል ምርኻብ ዘይኮነ ብኣእምሮን ብልብን ምርኻብ ምዃኑ ኢዩ፡፡ ኤርትራውያን እዚ ወሳኒ ረቛሒ ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ርክብ ካባና ስለ ዘርሓቕናዮ ኢዩ ከኣ ተላዚብና ንህዝብና ዝጠቅም ንሕልናና ዘርዊ ውጽኢት ከነፍሪ ምኽኣል ተሳኢኑና ዘሎ፡፡

ሽግር ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ሓደ ጸላኢ፡ ጠለብ ህዝቢ ሓርነትን ፍትሕን ክነሱ፡ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ብመኣዲ ልዙብ ዘተ ንባህጊ ህዝቢ ዘውሕስ ሓድነት ተኺሉ ህዝቢ ጠርኒፉ ክንዲ ዚቃለስ፡ ተጓዛዚዩ ንተስፋ ህዝቢ ህያው ንእምነት ህዝቢ ጽኑዕ ኪገብር ብዘይምኽኣሉ እቲ ካልኣይ ዓቢ ወጥሪ ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ መስርሕ ምዕባለ ሃገር ናይ ርእይቶ ፍልልይ ኪህሉ ባህሪያውን ኣገዳስን ኢዩ፤ እቲ ምንታይ፡ ብግቡእ ምስ ዚተሓዝ ንምዕባለ ደራኺ ስለ ዝኸውን፡፡ ኣብ እዋን ሕቶ ግህሰት ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብዝምልከት ግን ፍልልይ ኪህሉ ኣይግባእን፡፡ ህዝብኻ እናተሳቐየ ኣብ ጸብሪ ጸቢብ ፍልልያት ተሸኺልካ ምትራፍ ነውሪ ኢዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ንተስፋ ህዝቢ ዝውክል ሓድነት ምስ ዘይህሉ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ዕድመ ሃገር ሳሕቲ ግዜ ጥራይ ዚቕልቀል ምቹእ ኩነታት ከምልጥ ከም ዚኽእል ኣብ ታሪኽ ቃልስና እንግንዘቦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ናይ ዘምልጥ ምቹእ ኩነታት ሓላፍነት ብቐሳሊ ተሰከምቲ ከይንኸውን ብሓድነት ንፍትሕን ሓርነትን ንድለየን፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ክቡር መስዋእቱ ሓርነት ጸልሚቱዎ፡ ኣብ መዘና ዘይብሉ ስቓይ ማእሰርትን ሽግር ናብራን እናነበረ ብጫሌዳ ዘረባታት ክንቋየቝ ግዜና ብኸንቱ ከነጥፍእ ኣይግባእን፡፡ ከም ህዝቢ ብሓድነት ድኽመታትና ብግቡእ ምስ እነለሊ ጥራይ ኢዩ ግቡእ መፍትሒ ክንረኽበሉ እንኽእል፡፡ ኣብ ሕልናና ዝዂኲሓናን ኣፍጢጡ ዝጥምተናን ዘሎ ስቓይ ህዝብና ፍታሕ ክንረኽብሉ ብሓባር ንበራበር፡፡ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን፡ ምእንቲ ራህዋን ሰላምን ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ኣብ ህይወት ወድሰብ  ካብዚ ንላዕሊ ንሓድነት ዝድርኽ ተምክሮ ኪህሉ ኣይኽእልን ኢዩ፡፡ ብእንታይ ገዲሱኒ ኤርትራዊ ልኡላዊ መንነትና ኣብ ገምገም ሓደጋ ንርሕርሖ ከም ዘሎና ኣይንዘንግዕ፡፡ ንታሪኽና ዘጥፍእ ሕማቕ ሓድጊ ኣይንውዓሎ፡፡

እዚ ንወጋሕታ ብርሃን ሃገር ናብ ክቢድ ጸልማት ቀዪሩ ዘሎ ምልኪ ውሑዳት ክእለ እንተ ኾይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብመንገዲ ዘተን ልዝብን ፍታሕ ክንረኽበሉ ዝሓተና ከቢድ ጉዳይ ሓርነታዊ ህላዌና ከም ዝኾነ ነስተውዕሎ፡፡ ናብ ናይ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ኩነታት ኪቕየር፡ ራህዋን ሰላምን ኪነግስ ምእንቲ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት እንርከብ፡ ካብ ታሪኻዊ ጕድለታትና ተማሂርና፡ ብኽፉት ኣእምሮን ልብን ክንዝቲ ክንክእል፡ ምቕሉል ናይ ሓባር ዓቕምና ኣወሃሂድና ንድሕነትን ህንጸትን ህዝብናን ሃገርናን ክንውድቦ ኣዚዩ ደንጒዩ ዘሎ ኣማራጺ ዘይህብ ሓላፍነት ምዃኑ ብዕትበት ንቀበሎ፡፡

ህይወት ምሉእን ብቑዕን ትርጉም ኪህልዋ ሓርነት የድልያ፤ ጥዋፍ ሓርነት ወትሩ ምእንቲ ክትበርህ ከኣ መሰል ናይ ርእይቶ ሓርነት ብዘተ ክትኵስኰስን ህያው ክትከውንን የድሊ፡፡ ሃገር ብሰላም ዚዓብዩ ቈልዑት ከተፍሪ ኣብ ልቢ ህዝባ ሰላም ኪሰፍር የድሊ፤ ራህዋን ሰላምን ህዝቢ ከስተማቕር፡ ናይ ኲናት ባህሊ ወጺኡ መንፈስ ሓድነት ኪተኣታቶ የድሊ፡፡ ኲናት ውጽኢቱ ሞትን ዕንወትን ጥራይ ምዃኑ መሪር ታሪኽና ምሂሩና ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ልኡላውነቱ ተኸቢሩሉ ምእንቲ ክነብር ቅድም ሓርነቱ ህያው ጌሩ ኣብ ኢዱ ክጭብጥ የድልዮ፡፡ ነዚ ንምግባር ከኣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ፡ ብጉዳይ ሃገሩ ካብ ፍርሃት ሓራ ኮይኑ ክላዘብን ክካታዕን ክኽእል ኣሎዎ፡፡ ፍርሃት ጥልመት ከም ዝወልድ፤ ፍርሃት ስዕረት ከም ዘስዕብ፤ ፍርሃት ምስ ሕልናኻ ከም ዘባእስ፤ ፍርሃት ረማስን ኣዕናውን ምዃኑ፤ ስለዚ ንሓደ ለይቲ እኳ ተተራኢስካዮ ክትድቅስ ዘይምረጽ ሞት ሕልና ስለ ዝኾነ ሕልፈት ጠባይ ኢዩ}ሞ ደጊም ሓንሳብን ንሓዋሩን ፎእ ንበሎ፡፡ ለባማትን ጀጋኑን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ዘየውረሱና ሕማቕ ባህሊ ንደቅናን መጻኢ ወለዶን ኣይንሕደገሎም፤ ብኽሲታቶም ነፍስና ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ከይትስእን፡፡

ልዙብ ዘተ ብትዕግስቲ ዝትሰነየ ናይ ሓባር ጻዕርን ድኻምን ዘድልዮ ምዃኑ ግን ክሕባእ ዘይግብኦ ሓቂ ኢዩ፡፡ ዝድለ ፍረ ምእንቲ ኪርከቦ በዘን ኣርባዕተ መምርሒታት፡ ማለት ብጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ብምክብባር፡ ብውንዛፍ ቅድመ-ፍርዲ (ካብ ቅርሕንቲ ናጻ ምዃን)፡ ብኽፉት ኣእምሮን ቅኑዕ ሕልናን ርእይቶ ምግላጽ ኪምራሕ የድሊ፡፡ ደቂ ንእሽቶይ ሃገርን ውሑዳት ህዝብን ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ ርእሲቲ ብቕልጡፍ ካብ ድኽነት ዘገላግለና ባህርያዊ ሃብቲ ዘይምህላውና፡ ኣብ ውሽጢ ሓድሕድናን ምስ ጐረባብትና ሃገራትን ካብ ናይ ኲናት ባህሊ ፍጹም ወጺእና ናብ ናይ ሰላም ባህሊ ከነድህብ ኣማራጺ ዘይህበና ጉዳይ ኢዩ፡፡

ነዚ ዘገልግለና መሳርሒ ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮን ደጋጊሙ ዝተጠቕሰን ኣብ መንጎና ብዝለዓል ደረጃን፡ ከምኡውን ምስ ጐረባብትና ህዝቢታት ልዙብ ዘተ ወይ ምይይጥ ናይ ምክያድ ባህሊ ምምዕባል ኢዩ፡፡ ግብራዊ ዓወት ንኸርኢ ኣብ ኣካባቢኻ ብንኡስ ደረጃ ከም ፈልሲ ኪዅኰስ የድሊ፡፡ ሓንቲ ሽምዓ ወይ ጥዋፍ ንሽሕ ሽምዓታት ወይ ጥዋፋት ከተብርህ፡ ሽሕ ከኣ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ከብርሓ ከም ዝኽእላ ምስ እንርዳእ፡ ብውሑዳት ዝጅመር መኣዲ ዘተ እውን ብጽኑዕ ተስፋን እምነትን ምስ ዝስነ፡ ናብ ሃገራዊ መኣዲ ማዕቢሉ፡ እቲ ባህጊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ህያው ኮይኑ ምርኣዩ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡ እተን ንናጽነት መስዋእቲ ዝኸፈላ ኣውራጃታት ኤርትራ ሸሞንተ ኢየን፤ ኣብ ባህልና ንመኣዲ መግቢ ብሓንሳብ ዝስርዑ ቍጽሪ ሰባት ከኣ ሸሞንተ ኢዮም፡፡ እወ! ካብ ሰሜን ንደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ፡ ካብ ከበሳ ንቖላታት፡ ንሓርነትን መሰል ሰብኣዊ ክብረትን፡ ንፍትሕን ደሞክራስን፡ ንግዝኣተ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን፡ ንራህዋን ሰላምን ታሪኽ ዝምስክሮ ትርግታ ልብና ብሓባር ዝወቅዕ ሓደ ህዝቢ ኢና፡፡ እምበኣር ሓደ መኣዲ ሓደ ህዝቢ ምዃና እዚ ዓቢ  ልቦናዊ ትምህርቲ ኣብ ልብና ነሕድሮ፤ ኣብ ቃልስና ከኣ ወትሩ ካብ ሕልናና ኣይንፍለዮ፡፡


ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!
ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

29 ጥቅምቲ፡ 2006፡
ዋሺንግቶን ዲ.ሲ.
_