Skip to content

Green color

Narrow screen resolution  Wide screen resolution  Increase font size  Decrease font size  Default font size  Skip to content
Home arrow Projects arrow ዕድመ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዴንሃኽ ሆላንድ
ዕድመ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዴንሃኽ ሆላንድ PDF Print E-mail
Wednesday, 08 November 2006
ንሶም ተኣሲሮም ንስኻትኩም ተንቐሳቐሱሎም
ንሶም ተሓይሮም ንስኻትኩም ንደገ ውጽሎም
ንሶም ትሕቲ ጉድጓድ ሰፊሮም ንሕና ኣይንርስዓኩምን ንበሎም
ብኣፎም ተታሒዞም ንሕና ንዛረበሎም

ከይዝምሩ ተኸልኪሎም
ንኣምላኾም ከየምልኹ ቤት-ኣምላኾም ተኸልኪሎም
ንሕና ንዘምረሎም፡ ንሕና ነምልኸሎም
ስግኦም ተኣስረ እምበር ነይመንፈሶም
ክኣስር ዝኽእል የለን ንሕሊንኦም

እቶም ዝኣስሩ ባዕሎም እሱራት
ንስኻትኩም ከ ነጻ ዲኹም ግዙኣት
ናይ ፍርሂ ናይ ግዜኡ ጥቕምታት
ዋላ ሓራ ኢኹም ዝመላለሱ ብሓርነት

ዓርቢ ዕለት 10 ሕዳር የራኽበና
ክንብል ደሊና ሓርነትና
የሕዋትና ይፈትሑልና
ከምድላዮም ከምልኹ ኣብ ትሕቲ ቕዋምና
ኤርትራ ናይ ገዛእቲ ጥራሕ ኣይኮነትን ናይ ኩላህና
ብዘይ ናይ ሃይማኖት ምፍልላይ ዘርኢ ዓሌትና
ኩላህና ደቒ ኤርትራ ደቒ ሓንቲ ስድራቤት ኢና
ንበል ኣይንግዛእን፡ ኣይንፈርህን ኣይንርዕድን ኢና
እወ ዓርቢ ዕለት 10 ኣብ ዴንሃኽ ሆላንድ የራኽበና

ገለ 1.800 ሰባት ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካፈልዎ ይሕበር!
ዓርቢ 10 ሕዳር (November) 2006
ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዴንሃኽ፡ ሆላንድ
ምእንቲ ናይ እምነትን ሕልናን ነጻነት ኣብ ኤርትራ!


“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኾይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቑል፡ ጽድቕኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።(...)ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ከተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዝኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።”
ትንቢት ኢሰያስ 58፡8,12

ዓርቢ 10 ሕዳር (November) 2006
ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዴንሃኽ፡ ሆላንድ
ምእንቲ ናይ እምነትን ሕልናን ነጻነት ኣብ ኤርትራ!

ልዕሊ 46.000 ህዝቢ ሆላንድ መሰል ሃይማኖት
ኣብ ኤርትራ ክኽበርን፡ እሱራት ሕሊና ክፍትሑን
ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቤቱታ የቕርብ።

ንዓርቢ ዕለት 10 ሕዳር (November) 2006
VRIJDAG NOVEMBER 10 2006
FRIDAY, NOVEMBER 10 2006

ቦታ፡ ኣብ ከተማ ዴንሃኽ (Den Haag)
ኣብቲ ኣፍደገ ወከልቲ ሰበስልጣን ኤርትራ

ኣድራሻ፡ Nassauplein 13, Den Haag
(ኣብቲ ልዳት ናይ ኤርትራ ኤምባሲ)

ሰዓት፡ 10፡00 ናይ ንግሆ ልክዕ!

ለበዋ፡ እቲ ዝኽእል፡ ናይ ባህልና ናይ ሓበሻ ክዳን ጌሩ ክርከብ ብትሕትና ንላቦ።
እቲ ናይ ሓበሻ ክዳን ዘይብሉ፡ ጻዕዳ ኽዳን ለቢሱ ክመጽእ ብትሕትና ንላቦ።

መጎዓዓዝያ፡
ካብ መዕርፎ ባቡር ናይ ዴን-ሃኽ
ብኣውቶቡሳ ቑ.5 ወይ ከኣ
ብኣውቶቡስ ቑ. 22 ኣብ Nassauplein ትወርዱ።

ካብ መዕርፎ ባቡር “ዴን-ሃኽ ሆላንድ ስፖር”
ብትራም ቑ.17 ወይ ቑ.8 ሒዝኩም ኣብ Javastraat ትወርዱ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ዝደሊ ንሃብቶም ዮሃንስ This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
ወይከኣ “ንኦፐን ዶርስ” (Open Doors: www.opendoors.nl)
ክውከስ ይኽእል። እተን ኣብ ሆላንድ ዝርከባ ቤተክርስትያናት
እውን ተሓቢረን እየን።


ብዙሓት ሆላንዳውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ምእንቲ መሰል ህዝቢ
ኤርትራ ይቓለሱን ድምጾም የስምዑን ኣለው?
ንሕና ኤርትራውያን’ ከ? ምኽንያታት ብምብዛሕ፡ ብፍርሒ ለሚስና፡
ኣብ ፈቐዶ ፈስቲቫላት ግዜና ከነሕልፍ ዲና መሪጽና? ኣብ ዝተፈላለየ
ቤተክርስትያናት እናዘመርናን እናሰበኽናን ናይ “እምነት ጀጋኑ” ክንበሃል፣
ካብቲ ናይ ሓቒ እምነት ዘስዕቦ መከራ ግን፡ ክንሃድም ዲና መሪጽና?
ዋላስ ኣብ ጎኒ መከራ ዝጸግብ ዘሎ ሕዝብናን ኣመንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን
ኢና ጠጠው ክንብል መሪጽና? እታ ቕንዕቲ መልሲ ኣብ ሕሊናኹምን ልብኹምን
ትፈልጥዋን ትግንዘብዋን ኢኹም። ተሲእኹም ክትዓዩ ኣምላኽ ይሓግዝኩም! ይሓግዘና!

ከማና ንኣምላኽ ዝኣምኑ፡ መጺኦም ቓል ዘካፈሉናን ዝሓብሐቡናን የሕዋትናን ኣያታትናን፡ ቤተክርስትያኖም ተዓጽዩ፣ መጽሓፍ ቑዱሶም ተመንጢሎም፡ ናውቲ ቤተክርስትያኖም ተዓሺጉ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ይማስኑ ኣለው። ሓደ ክልተ ካብኣቶምን ካብኣተንን ንምጥቃስ፥

1. ንሓውና ሃይለ ናይዝጊ ንዘክር። (ክልተ ዓበይቲ የሕዋቱ፡ ኢሳቕን ኣማኒኤል ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ሕይወቶም የሕሊፎም። ኣዴኦም ነብሰሔር ኣደይ ጽግሆይኒ ግን ንሃይለ ከይርእይኦ ተኸልኪለን። ብጓሂን ሕማምን ምስ ዓረፋ ከኣ፡ ሃይለ ኣብ ቀብረን ከይውዕል ተኸልኪሉ።)
2. ንኣቦና ኣቡነ ኣንቶንዮስ ንዘክር!
እዞም ዓቢ ኣርኣያ ኣብ ሃገርና ኮይኖም ዘለው ኣቦና፥ ኣንጻር እቲ ህግደፍ ተቖጻጺርዎ ዘሎ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ሲኖዶስ ኣፎም ስለዝኸፈቱ፣ ካህናት ከም በዓል ዶር. ፍጹም ገብረንጉስ ስለምንታይ ተኣሲሮም? መዓስ እዮም’ከ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡ? በጃኹም ፍትሒ ግብሩሎም ስለዝበሉ፡ ካብቲ ብሕጊ ዓለም ለኻዊት ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝተቐበልዎ ቕዱስ ስልጣን፡ ብመንግስቲ ግልበጣ በዓል ይፉታሔ ዲመጥሮስን ዓሊ ዓብዱን ወሪዶም። ጌና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለው።እዚ ማለት ከኣ፡ ቅድስቲ ታሪኻዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኻ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዕሸል ዝኾነት ዓለማዊት ፖለቲካ ፓርቲ፡ ህግደፍ፡ ኣቲያ ማለት እዩ። ካህናታ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ንመላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቒን ሰዓብቱ ዩፉታሔ ዲሜጥሮስን ዓሊ ዓብዱን ክንብርኸኹ ተጌሩ። ንህቢ ኣኳ መራሒኡ ክጭወ ስቕ ኢሉ ዘይርኢ? ህዝበይ እንታይ ዓዚሙካ?

3. ንሓውና ዶር. ፍጹም ገብረንጉስ ንዘክር። (ዶር. ፍጹም እቲ እንኮ ናይ ኤርትራ ናይ ስነ-ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ምሁር (ሳይካትሪስት) ኮይኑ፤ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቐሺ
እዩ።
4. ንሓውና ዶር. ክፍሉ ገብረመስቀል ንዘክር። ዶር. ክፍሉ ናይ ቑጽሪ (ማትማቲክስ) ምሁር፡ ኣብ ናይ ኣስመራ ዩኒቨሪስትን ወጻኢን ዝመሀረ፡ ኣብ ቤተክርስትያናት ኤርትራ ዘገልገለ ክቡር ዜጋ እዩ። ብ1998 “ምህናጽ ሞራላዊ ሰረት ኤርትራ” እትብል መጻሓፍ ጽሒፉ። “መዘከርታ ንሃይለ(መለኮት) ገብረመስቀል ሓወይ፥ ብ1983 ኣብ ስዋራ ሳሕል ዝተሰውአ” ትኹነለይ ኢሉ ኣብ ሕዝቢ ዘርጊሕዋ።
ዘሕፍር እዩ፣ ዶር. ክፍሉ ኣብታ ሓው ሃይለ(መለኮት) ብመስዋእቲ ዘምጽኣ ሃገር ብነጻ ከይኣምንን ሕሊንኡ ከይእዘዝን ተኸልኪሉ። ንሱ ከይኣክል ኣብ ቤትማእሰርቲ ተሓይሩ ሀለዋቱ ኣይፍለጥን።
5. ንዘማሪት ሓውትና ሄለን ብርሃነ ንዘክር (ብናይ ነዊሕ ማእሰርቲ ኣብ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ መጎዓዓዚን መአከቢ ዓቑሑን፡ ኮንተይነር፡ ጥዕነኣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ።)
6. ንሓውና ገብረመድህን ገብረግዮርጊስ ንዘክር፡
7. ንሓውና ተስፋጽዮን ሓጎስ ንዘክር፡
8. ንዘማራይ ሓውና ዮናስ ሃይለ ንዘክር፡
9. ንሓውና ፍስሃ ገብረጻድቕ ንዘክር፡
10. ንሓውናን ኣቦናን ኣቦይ ተክለ ተስፋይ ንዘክር፡
11. ንሓውትና ኤልሳ ግርማይ፡
12. ንሓውትና መኣዛ ኣርኣያ ንዘክር፡
13. ንሓውና ዳዊት ምስግና ንዘክር፡
14. ንሓውና ተስፋይ ኣርኣያ ንዘክር፡
15. ንሓውትና ገነት ገብረማርያም ንዘክር፡ (ብዝሓለፈ ግንቦት ገነት ምስ ክልተ ብጾታ ኣብ ነፋሲት ምስ ካልኦት ክልተ ኣሓትና ተኣሲራ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ ክትእሰር ከላ ሓሚሙ ዝገደፈቶ ወዳ፡ ዓሪፉ።)
16. ንሓውና ዑቕባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ንዘክር፡
17. ንሓውና ሓጎስ ጡዑመይ ንዘክር፡
18. ንሓውና ዑቕባሚካኤል ሃይማኖት ንዘክር፡
19. ንሓውና ኪዳነ ገብረመስቐል ንዘክር፡
20. ንሓውና ፋኑኤል ምሕረትኣብ ንዘክር፡
21. ንሓውና ኣብርሃም በላይ ንዘክር፡
22. ንሓውና መምህር ሰመረ ዛይድ ንዘክር፡
23. ንሓውና ኢሳ መኮነን ንዘክር፡
24. ንሓውና ብእምነት ፍስሃየ ንዘክር፡
25. ንሓውና ሄኖክ ገብሩ ንዘክር፡
26. ንሓውና ኪዳነ ወልዱ ንዘክር፡
27. ንሓውናን ኣቦናን ደሞዝ ኣፍወርቒ ንዘክር፡
28. ንሓውና ኣማኑኤል ኣብርሃም ንዘክር፡
29. ንሓውና ወረደ ኪሮስ ንዘክር፡
30. ንሓውና እዮብ ተኽለ ንዘክር፡
31. ንሓውና ፍስሃ ገብረጻድቕ ንዘክር፡
32. ንሓውና ዮሃንስ ጉዑሽ ንዘክር፡
33. ንሓውና እሰይ እስቲፋኖስ ንዘክር፡
34. ንሓውና ጊደወን ንዘክር፡
35. ንሓውና ይትባረክ በርሀ ንዘክር፡
36. ንሓውና ኣማኑኤል ዓንደገርግሽ ንዘክር (ብሰንኪ ማእሰርትን ምቕጥቓጥን ብ18 ጥቕምቲ 2006 ኣብ 23 ዓመቱ ዓሪፉ!)
37. ንሓውና ኽብሮም ፍረሚካኤል ንዘክር (ብሰንኪ ማእሰርትን ምቕጥቓጥን ብ18 ጥቕምቲ 2006 ኣብ መበል 30 ዓመቱ ዓሪፉ!)
38. ንሽሞም ዘይተፈልጠ፡ ሃለዋቶም ዘይተረጋገጸ፡ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይተፈልጠ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ደቖምን ስድራቤቶም ንዘክር!

እዚ ዝርዝር ኣይውዳእን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ኤርትራ ተኣሲሮም ከምዘለው ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።


ንሕናኸ ምእንትኦም ኣብ ኣደባባያትን ቤተክርስትያንን ሽሞም እናኣልዓልና፡ ምእንትኦም ጸሎት ከይንገብርን፣ ምእንትኦም ከይንዕጠቕን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ከይንገብርን፡ እንታይ ይዓግተና ኣሎ? ንዑ ነቲ ናይ ፍርሒ ሰንሰለት ብሓባር ንስበሮ።
ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ድኣ እምበር ነቲ ካብ ሓመድ ዝተፈጥረ፡ ናብ ሓመድ ዝምለስ፡ ትንፋሱ ኣብ ኣፍንጭኡ ዝኾነ፡ ሰብ ኣይንፍርሃዮ። ፍቕሪ ዘይብሉ እዩ ዝፈርህ።
እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሂ ተባርራ እያ፡ (1ዮሃንስ 4፡18)
እዩ ዝብል ቓል ኣምላኽ፣ ስለዚ ኣቱም ብፍርሂ ተኣሲርኩም ዘለኹም፡ ወይ ብግዝያዊ ጥቕምኹም ተታሊልኩም ኣለኹም፣ ወይ ከኣ ፍቕሪ ነቶም “ብኣምላኽ የሕዋትና” እትብልዎም የብልኩምን።

እስቲፋኖስ ስለዝመስከረን ዝኣመነን ብዳርባ እምኒ ክጭፍለቕ ከሎ፡ እንታይ ንገብር?
ከም ሳውል ክዳንን ንውቲ እቶም ጨፍለቕቱ ዲና እንሕሉስ፣ ዋላ ንምድሓኑ ኢና
እንጽዕርን እንቓለስን? እቲ ምርጫ ናትና እዩ። ብምድርን ብሰማይን ከኣ ከሕትተና እዩ።

እቲ ማርዶካይ ንኣስቴር ዝበላዶ ይዘከረኩም? (መጽሓፍ ኣስቴር 4፡12-15)
ከምኡ ከኣ ኣነን ንስኻትኩምን፡ ኣምላኽ ብስደት ኣምሲሉ ናብ ሃገራት ጸባን ምዓርን፡
ነጻነትን ሓርነትን ሊእኹና ኣሎ። በዚ ጣዕምና ተታሊልና ዲና ንህዝብናን፡ ኣሕዋትናን
ሃገርናን ክርስዕ? ዋላስ ነዚ ኣምላኽ ዓዲሉና ዘሎ ዕድል ተጠቒምና ምእንቲ እታ ብመከራ
ዝነብዕ ዘሎ ህዝብናን ከማና ኣመንትን ኢና ጠጠው ክንብል? እቲ ዝሓሸ ባዕልናን ሕልናናን
ይፈልጦ እዩ።


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሕትናን፡
ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርቲ ህግደፍ ይማስኑ ኣለው፣
ንሕና ኣብ ነጻን ሓራን ዝኾና ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን’ከ እንታይ ንገብር ኣሎና?

ኣዴታትናን ኣቦታትናን ዳግማይ ክጉህዩን ክነብዑን ይውዕሉ ኣለው። “ደቕኹምን
ደቒ-ደቕኹምን ንስደት ሃዲሞም፡ ኮብሊሎም፡ እዮም እሞ 50 ሽሕ ናቕፋ ክፈሉ፣
ገዛኹምን ናውትኹምን ሽጡ፡ እናተባህሉ”፡ መከራ የሕልፉ ኣለው፤ ብህይወቶም ከለው፡
ኣብ እርጋኖም ገዝኦም ተሓሪዡ ኣብ ግዳም ተደርብዮም ይርኣዩ ኣለው።
ንሕና ኣብ ጣዕሚን ነጻነትን ዘለና ደቖም’ከ እንታይ ንገብር ኣሎና?

ኤርትራ ሃገር ጀጋኑ ትበሃል ኔራ፣ ብሰንኪ ስልጣን ኢሰያስ ግን፡ ምስ ስሜን ኮርያን፡
ትርኩመኒስታንን፡ ምስ ካልኦት ፉንፉናት መለኽቲ ዝገዝእወን ሃገራት ተሰሪዐ፣
ልዕሊ 100.000 ዝኾኑ ክቡራት ኤርትራውያን ዝተሰውኡላ፡ ብዙሓት
ዝሰንከሉላ፡ ክብርቲ ሃገርና: መጻወቲ ዘይሕጋውያን ክትከውን ስቕ ኢልና
ዲና ክንርኢ መሪጽና?

ደቕናን ታሪኽን ክሓቱና እዮም፣
እንታይ እዩ እቲ መልስና?

ሕልናናን ደቒ ስውኣትን እሱራትን ክሓቱና እዮም፣
እንታይ እዩ እቲ መልስና?

ዓለምን ኣንስቲ ስውኣትን እሱራትን ክሓቱና እዮም፣
እንታይ እዩ እቲ መልስና?

ብጾትናን ወለዲ ስውኣትን እሱራትን ክሓቱና እዮም፣
እንታይ እዩ እቲ መልስና?

ተኣሲርና፡ ተቐጥቒጥና፡ ተዋሪድና፡
እንታይ ጌርኩምልና?
ደቕና ብህይወትና ከለና ዘኽቲሞም፡
እንታይ ጌርኩምሎም?
ጸሚእናን ጠሚናን ዓሪቕናን፡
እንታይ ጌርኩምልና?
ኣንስትናን ኣዴትትናን ዳግማይ በኽየን፡
እንታይ ጌርኩምለን?
ኣብ ኮንተይነራትን ጎዳጉዳትን ተኣሲርና፡
ሀለዋትናድ’ዶ ጌርኩም?

ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት መልስና እንታይ እዩ?

ካብ ታሪኽ ተምሂርና፡ ምእንቲ ሕሊናና ኢልና
ምእንቲ ወለዲናን ወለዲ ብጾትናን፡
ምእንቲ ሃገርናን ሕዝብናን
ምእንቲ ደቒ ብጾትናን
ምእንቲ ስንኩላትናን ስውኣትናን
ንዑ፡ ይኣክል ንመግዛእትን ንውርደትን ንበል!
ንዑ፡ ኣይፋልን ንምፍርራህ ንበል!
ንዑ፡ እምብለይ ንምልኪ ንበል!
ንዑ፡ ዕጭ ንውግእን ወረ-ውግእን ንበል!
ንዑ፡ ሕዝብታት ክቡር ታሪኽ ኢና ንበል!
ንዑ፡ ንተስእ እሞ ንስደት ደቅናን ደቒ ደቅናን ጠጠው ነብል!
ንዑ፡ ውርደትን ዕንወት ኤርትራን ጠጠው ነብል!
ንሳቶም ይስሓቑን ይሓጭጩን የላግጹን።
ንሳቶም ወደቕቲ ንሕና፡ እቶም ኣብ ሓቒ እንምርኮስ ግን ተዓወትቲ!
ንሓቅን፡ ፍትሕን ዝጉዕጽጽ ኣብ ታሪኽ ፍጹም ኣይተራእየን።
ንሳቶም ብብዝሒ ሰራዊትን ታንክታትን ይእመኑ፡
ንሕና ከኣ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ ልዕሊ ኩሉ ስልጣን ዝኾነ፡
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንእመን። ኣምላኽ ከኣ ንሃገርናን ሕዝብናን
ከምዝተዓረቖን ምሕረት ከምዝገብረሉን፡ ፍጹም ጥርጥር የብልና።
ንሕና ጥራሕ ንተኣዘዝ። ኣምላኽ ክብሪ ሕዝብናን ሃገርና ክመልስ እዩ።

እወ ክንጽሊ ኢና ምእንቲ ኣምላኽ ንሃገርናን፡ ሕዝብናን ክምሕር፣
ምእንቲ ንመራሕትና ናብ ልቦም ክመልሶም፤
ጸሎት እናገበርና ግን፡ ስቕ ኣይክንብልን ኢና። ብሰላማዊ መገዲ እውን
ክንቓወም ኢና። ነቲ እኩይ ክንቓወሞ ኢና። እታ ህያው ዝኾነት እምነት
ክትሰርሕ እያ እትርኤ። “ኣዋተየ፡ ሓደ ሰብ እምነት ኣልታትኒ እንተ በለ፡
ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፡ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ
ትኽእል እያ?” (መልእኽቲ ያእቆብ 2፡14)


እቶም ኣሕዋትና ኣሓትና ኣብ ኤርትራ ምስ ዳኒኤል ከምዚ ኢሎም፥

“ዎ ንጉስ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና እዩ፡
ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ:
ንሱ ኼናግፈና እንተዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡
ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከምዘይንሰግደሉ ፍለጥ በልዎ።”
ትንቢት ዳንኤል 3፡ 17-18

ንሕና ኸ ጣዕሚን ደስታን ድዩ ኣልሚሱና? ብኣፍና ጥራሕ “ንፈትወኩም ኢና” ክንብል?

ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ንዓርቢ ዕለት 10 ሕዳር (November) 2006 ኣብ ከተማ ደንሃኽ የራኽበና።
ምእንቲ እቶም ምእንቲ እምነቶምን ሕሊነኦምን ተሓይሮም
ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ኣቦታትናን ኣዴታትናን፣ ኣቕሽሽትናን ጓሶታትናን። ምእንቲ ስድራቤቶም። ምእንቲ ህዝብና። ምእንቲ ገዛእ ርእስና።

ብድሓን ምጹ።

ሃብቶም ዮሃንስ ምስ “ኦፐን ዶርስን” ምእንቲ እቶም እምነቶምን ሕሊነኦምን ተሓይሮም
ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ምእትኒ ኣቦታትናን ኣዴታትናን፣ ምእንቲ ኣቕሽሽትናን ጓሶታትናን።

ዘድሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ክስዕብ እዩ።
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it