Skip to content

Green color

Narrow screen resolution  Wide screen resolution  Increase font size  Decrease font size  Default font size  Skip to content
Home arrow Projects arrow መድረኽ ዒምም ይእከል፡ "ሽገይ ሃቡኒ" ንበል! ቀዳማይ ክፋል
መድረኽ ዒምም ይእከል፡ "ሽገይ ሃቡኒ" ንበል! ቀዳማይ ክፋል PDF Print E-mail
Friday, 17 November 2006

  Document available in pdf Format 

ዝኽበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡-

ኣብ ዘዘለኹሞ ሃገራትን ከተማታትን፡ ራህዋን ቅሳነትን፡ ፍቕርን ሰላምን ንዓኹም ይኹን።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ትርጉም ህይወት ተቐይሩዎ፡ ብምዕሩግ ስም ኣብ ዝተጸባበቐ ባርነት፡ ብሕሰምን ግፍዕን ተኸቢቡ፡ ይነብር ኣሎ።

እወ፡ ስድራናን ኣዝማድናን፡ ቤተሰብናን መተዓብይትናን፡ ከመይ ዓይነት ናብራ የሕልፉ ከም ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ኣሕዋቶም፡ ጓኖት ከይተረፈ ዝፈልዑዎ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘጸግም ኢዩ።

ህይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቓላት ክግለጽ እንተዝከኣል'ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ መከራ፡ ካብቲ ምብዝሑ - እቲ ምኽፍኡ፣ ካብቲ ምሕማሙ - እቲ ምድግጋሙ ዝገድድ፡ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ስለዝኾነ፡ በየን ጀሚርና፡ በየን ክንዛዝሞ?  ነየናይ ዐቒስና፡ ነየናይ ክንገድፍ?

ሃለዋት ህዝብና፡ ክትዛረበሉ ዘስካሕክሕ፣"ኣታ እዚ ኩሉ መስዋእቲ፡ እዚ ኩሉ ገድሊ፡ እዚ ኩሉ ድኻም፡ እዚ ኩሉ እዝግዮ፡ እዚ ኩሉ ባህግስ፡ ነዚ ኮይኑ ትርፉ? እዋይ ኣነ፡ ኣሕሕሕ!" ዘብል ስለዝኾነ፡ ቁስልኻ ምትኹታዂ፡ ሕማምካ ምቕስቃስ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?

እወ፡ ሕማም ህዝቢ ኤርትራ፡ ምትንታኑ ልብኻ ዘቑስል፡ ምጽብጻቡ መዓንጣ ዝኹምትር፡ ንጸላኢኻ ዘይትምነዮ፡ ኣመና ሕማቕ ሃለዋት ስለዝኾነ፣ ብዛዕባ ዝመጽእ ኣብ እትዛረበሉ ግዜ፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መከራ በብሓደ ምጽብጻብ፡ ብክልተ ምኽንያታት፡ ተመራጺ ኣይከውንን።  
ቅድም ቀዳድም፡ እንታይነት ስርዓት ህግደፍ፡ ብቐጥታ፡ ንስድራና ተወኪስና ክንግምግሞ ስለዝከኣል፡ ዝዓበየ ምኽንያት ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ በብኩርንዑ ካብ ዝቐረበ ኣዝዩ ብዙሕ ጭቡጥ ጸብጻባትን ሓበሬታን ከም ዝረጋገጽ፡ ኣብ ዓዲ ህግደፍ፡ ዘይተነግረ'ምበር፡ ዘይተግብረ ግፍዒ ከም ዘየልቦ ንኹልና በሪሁልና ስለዘሎ፡ ግዜ ተኸታተልቲ ከየባኸንና፡ ብሓፈሻዊ ኣገባብ ተናኺፍና ክንሓልፎ ንመርጽ። 

ኣስተብህሉሉ እሞ ኣሕዋት!

(1) በዓል ትንፋስ ወዲ ሰብ፡ ከም ሳንዱቕ፡ ከም ዕንጨይቲ፡ ከም ወረቐት፡ ኣብ ሓዊ መግሃር ኣጻምእ ሰምሃርን፡ ባርካን፡ ደንካልያን፡ ኣብ ኮንተይነር ይዕጾ ከም ዘሎ እንተሰሚዕና፣
(2) ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጸም ዘይትጽበዮ ጨካን ኣገባብ፡ ንዓይነት ማእሰርትን መቕጻዕትን ክም ቅያር ክዳን እንዳቐያየሩ ሰብ ኣብ ዘሳቕዩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ፡  ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እንተፈሊጥና፣
(3) ኣብ ብሎኮ ኣስመራ፡ ማለት ኣብ ዓዲ ኣበይቶ መንእሰያት ተረሺኖም ኣብ ጋህሲ ከም ዝተቐብሩ እንተሰሚዕና፣
(4) ኣብ ዊዓ ልዕሊ ሚእቲ መንእሰያት፡ ከም እምኒ ታዕሊም፡ ድሎ ብድሎ ተዘልዚሎም እንተሰሚዕና፣
(5) መዋእሎም ዝተጋደሉ ሓርበኛታት፡ ጋዜጤኛታት፡ ርእይቶ ዝሃቡ ኤርትርውያን፡ ሕቶ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፡ ኮታ ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን ሰብ ከማና፡ በብሓደ ተጨውዮም፡ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ጎዳጉዲ፡ ይሃልቁ ከም ዘለዉ እንተፈሊጥና፣
(6) ኣብ ማይ ሓባር፡ ስንኩላን ብጥይት ከም ዝተረሸኑ እንተፈሊጥና፣
(7) ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ዐበቕ፡ ኣብ ፈቐዶ ከውሒ ከም ዝተረሸኑ እንተሰሚዕና፣
(8) ሓንቲ ቅርሺ ዘይብሎም ድኻታት ወለዲ፡ "ኣገልግሎት ዝነበሩ ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ? ወድኹም ካብ ሳዋ ዐፊኡ! ወይ ኣምጽኡዎም፡ ወይ ድማ፡ መቕጻዕቲ ሚእቲ ሽሕ ክፈሉ" ከምዝተባህሉ፡ እንተፈሊጥና፣ ኣብ ኤርትራና፡ ሓድሽ ተገፋዒ'ምበር፡ ሓድሽ ዓይነት ግፍዒ ከም ዘየልቦ ንምግንዛብ ዘጸግም የብልናን። እወ ርግጽ፡ ቁሩብ ትምርምር፡ ቁሩብ ኣስተውዕል እንተቢልና፡ ኣብ ዓዲ ህግደፍ፡ ሓድሽ መዋቲ'ምበር፡ ሓድሽ ሞት ከም ዘየልቦስ፡ ብዘይጸገም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። 

ምእንቲ'ዚ፡ ኣብ ዝርዝር ግፍዕታትን ዓመጻትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ምእታው፣ እቶም ግፍዕታት ህግደፍ ዘይተነጸረልና ሰባት፡ ተሌፎን ድውል ኣቢልና፡ ንስድራና ክንውከስ እንዳዘኻኸርና፣ እንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘብርሁ ሓደ ክልተ ጉዳያት ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ ናብቲ ፍታሕ ዝበልናዮ ጉዳይ ክንሰግር ንመርጽ።
 
ክቡራት ኣሕዋት፡

ዓማጺ፡ ኩሉ ግዜ፡ ጨካን ኢዩ። ግፍዒ ድማ፡ ኩሉ ግዜ፡ መሪር ኢዩ።  ሓወይ ዝበልካዮ፡ መድሓንየይ ዝበልካዮ ሰብ፡ ገፋዒኻ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ግን፡ እቲ ግፍዒ ዝያዳ የቐንዙ። እቲ ዓማጺ ድማ፡ ዝያዳ ይጽላእ።

እቲ ዓማጺ፡ ህይወት 70 ሽሕ ብሉጻት ደቅኻ ከፊልካ ናብ ስልጣን ዘደየብካዮ ምስ ዝኸውን እሞ፡ "ዘዕበኹዎ ከልቢ ነኸሰኒ፡ ጣዕሳ ገደደኒ" ከም ዝብሃል፡ ምስቲ ግፍዒ፡ ጣዕሳ ተደሪቡ፡ ከም ሕዱር ሕማም፡ ብኣካል የሳጽየካ፡ ብመንፈስ ድማ፡ የናውጸካ።  ከምዚ ዓይነት ግፍዒ፡ ኣይኮነን ብስጋን ብመንፈስን ኣብ ልዕሌኻ ክወርድ፡ ብወረ፡ "ኣብ መንዶበሉዎ ከምዚ ተፈጺሙ" እንክብሉኻ'ውን፡ የስካሕክሓካ፡ የነድረካ።

እቲ ኣመና ዘሕዝን፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዝወረደና ህዝቢ ምዃንና ኢዩ። በሕዋትና፡ በቶም ዕልል ዝበልናሎም ተጋደልቲ፡ ምትንፋስ ክሳብ ንስእን፡ ክሳድና ተረጊጽና ንነብር ዘለና ህዝቢ ኢና። ንናጽነት፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልና ህዝቢ ከም ምዃንና መዐን ድማ፡ ቃንዛናን ግፍዕናን፡ ብመዐን ነቲ ግፍዒ ዝኸፈልናሉ ዋጋ ክንመዝኖ ናይ ግድን ኢዩ።

ነዚ ናብ ባርነት ዝተቐየረ ናጽነት ንምምጻእ፡ ኣቶ ኢሳያስን መሰልቱን ክረግጹና ዝኸፈልናዮ ዋጋ ድማ፡ ብመንጽር ብዝሕናን ምረት ተጋድሎናን ምስ ዝምዘን፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ መዘና ዘይብሉ፡ ክቡር ኢዩ። ካብ ምሒር ምድግጋም፡ "ሰብዓ ሽሕ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰማእታት ከፊልና!" ምባል፡ ንዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ ተራ ቁጽሪ ከምስሎ ተኽእሎ ስለዘለዎ ግን፡ እስከ ነቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ በቲ ኣብ 1991 ዝተሰምዓና ሓጎስ ክንዕቅኖ ንፈትን።

ትርግታ ልቢ ኩልና ብምቅላሕ፡ የማነ ባርያ፡ "እንታይ ምዃና ዓለም፡ ሎሚ ፈሊዐዮ፣ ትርጉሙ ናይ ምንባር፡ ኣስተማቒረዮ! ንራህዋ ቅሳነት፡ ንእፎይታ፡ ናጽነት የብላን መሰታ!" ዝበለሉ እዋን ንዝክሮ ዶ?

ሙሉጌታ በይን - ወዲ ዛግር ከ፡ ካብ ሓቂ ተበጊሱ፡ "ዕልል ኢላ ኣስመራ፡ መርሃዊ ረኺባ!" እንክብል፡ ንዝክሮ ዶ?

"እንታይ ምዃና ዓለም፡ ሎሚ ፈሊዐዮ" ዝበለ የማነ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበለ እንተዝሕተት፡ እንታይ ምመለሰ፡ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ወዲ ዛግር ድማ፡ ብህይወቱ ኣሎ። "ስለምንታይ ኢያ ኣስመራ ዕልል ዝበለት?" ተባሂሉ እንተዝሕተት፡ ካብ ናይ የማነ ዝፍለ መግለጽን መልስን ዝህብ ኣይመስለናን። እቲ ምንታይ፡ ሕልሚ የማነ ኮነ ባህጊ ወዲ ዛግር፡ ባህጊ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ ኔሩ።

እንታይ ኢዩ ግን ኔሩ ባህግና ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ? ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብረት ዘሰከሞ ጉዳይ እንታይ ኢዩ? ዐበንጃ ደስ ኢሉዎ? ሞት ናፊቑ?  ንሃይለስላሴ ወይ ንመንግስቱ ጸሊኡ? ንኢሳያስ ናፊቑ?

ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ብረት ዘሰከሞ፡ ባህጊ ፍትሒ፡ ባህጊ ሰላም፡ ባህጊ ቅሳነት ኢዩ ኔሩ። እታ ባህጊ፡ ዘይትቕየር፡ ዘይትልወጥ ሓንቲ ንሳ ስለዝኾነት ድማ፡ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ፡ ብምዑታት ተጋደልቲ ተሳዒሩ ምስ ሃደመ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቶም ዓመጽቲ ስዒሮም ዝኣተዉ ደቁ ዝተጸበያ ነገር፡ ንሳ፡ እታ ሓንቲ ባህጊ ቀደሙ ኢያ ኔራ። 

ብዙሓት ካብዞም ብህይወት ዘሎና ኤርትራውያን ብናእሽቱና፡ ኣቦታትና ለይትን ቀትርን ክደጋግሙዎ፣ ኣዴታትና ብወገነን፡ ንግሆን ምሸትን ክጽልያሉ፣ ንሕና ባዕልና ድማ፡ ባህግና ናፊቕና፡ "ሽገይ ሃቡኒ፡ ኣይተታልሉኒ!" ኢልና እንክንደርፍ፡ ንዝክሮ ኢና።

ህዝቢ ኤርትራ ሽዑ ዝተመነያ፡ ዝተጋደለላ፡ ደቁ ዝኸፈለላ፡ ጌና ክሳብ ሎሚ ዝምነያ ዘሎ ክብርቲ ህያብ ድማ፡ ንሳ እታ ዝደረፍናላ፡ ንሳ እታ ስድራና ዝጸለዩላ፡ ንሳ እታ ሃልሃልታኣ ዘምውቕ፡ ጸዳላ ጸልማት ዝቕንጥጥ፡ ንኩሉ ተደላድል፡ ንኩሉ ተመዓራሪ፡ ንኩሉ ብማዕረ እተብርህ፡ ኳዕ ኢላ ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ኢያ።

ምእንቲ እዛ ክብርቲ ሓርነት፡ ገሌና፡ ተጋዲልና፡ ደምና ኣፍሲስና። ገሌና፡ ደኺምና። ኩልና፡  ተገፊዕና። ኩልና ተመኒና። ምእንቲ ሓርነት፡ ኩልና፡ እንተወሓደ እንኮ ካብ ዓጽመ ስጋና፡ ሞባእ ወፊና።

ሓርነት ማለት ግን እንታይ ኢያ?

ሓርነት ማለት፡ ዓመጽን ግፍዕን ዘይብሉ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ፡ ርትዒ ተሳፍሓሉ ሃዋህው ማለት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ 1991 ብደም ሰማእታትን ብተጋድሎ ህሉዋትን ናጽነት ሃገርና ምስ ተረኽበ፡ እዚ ግበሩለይ ኣይበለን። እቲ ሃቡኒ፡ ኣይበለን። ክብል'ውን ኣይኽእልን ምኽንያቱ፡ ብመፈዐሩን ባህሉን ሓኾተ ህዝቢ ብምንባሩ፡ ካብ ሰብ ዝጽበዮ ነገር ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ባህጉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሰማእታት ደቁ ዝኸፈለላ ሃገር፡ በቲ ዝልለየሉ ሓኾትኮቱን ወሓለ ኢዱን ሰሪሑ መታን ክምዕብል፡ "እቶ ውጻእ ዘይብል ምምሕዳር ትኸሉለይ!" ጥራይ ኢዩ ዝበለ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣይኮነሉን። ጸሎቱ፡ ኣይሰመረን። ባህጉ፡ ኣይቀንዐን።  እንተ ብስሕታኑ፡ እንተ ተደናጊሩ፡ ኣንጻር ዝተጸበዮ ረኺቡ። ወያ ጻዕዳ ርግቢት፡ ፈውሳ ብዋዛ ዘይርከብ፡ ጻዕዳ ተመን ኮይና። ትምኒቱ፡ መኺኑ። ወዮም "ይከኣሎ" ኢሉ ዝጸውዖም ደቁ፡ ዕንኪላሎ ኮይኖም ተሪፎም።  መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ እንዶ ህይወትን ኣምር መነባብሮን ዘይብሉ፡ ግምጥልሽ ዝሓስብ፡ ሰሲጊንዐïሩ ዝብርሆ በዓል ጸቢብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ መንበረ ስልጣን ኮፍ ከይበለ ብዘመሓላለፎ ኣዋጃትን፡ ብዝቐጸለ ተግባሩን፡ ደጊሙ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹ።

ክቡራት ኣሕዋት፡-

ስለምንታይ ከምዚ ንብል ኣለና፡ ትስሕቱዎ ኣይመስለናን። ኣይፍለጥን ግን፡ ፒሮን ወረቐትን እንተለካ፡ ከምዚ መለዓልቲ ሓምያን ህግደፍ ዝገብሩዎ፡ ቃላት ምልግጋብ ቀሊል ከም ምዃኑ ብምርዳእ፣ ኣበሃህላና ኣብ ክውንነት ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ንምግላጽ፡ ንመደብ ክረምታዊ ማእቶት ከም ኣብነት ወሲድና፡ እንታይነት ስርዓት ህግደፍን፡ ዕምቆት ኣተሓሳስባ ኣቶ ኢሳያስን፡ ብህይወት ህዝብና ክንመዝኖ፡ ክንፍትን ኢና።   

መደብ ክረምታዊ ማእቶት ማለት፡ ኣብ 1991 ተወዐïኑ፡ ካብ 1992 ኣትሒዙ ብዘይ ምቁራጽ ዝቐጸለ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ባዕሉ ዘተግበሮ መደብ ኢዩ።

እዚ መደብ እዚ ከም ዝእዝዞ፡ ዓመተ ትምህርቲ ምስ ተወድአ፡ ኩሉ ልዕሊ ሻዱሻይ ክፍሊ ዝበጽሐ ተመሃራይ፡ ወዲ ሓረስታይ ይኹን ወዲ ቀጥቃጣይ ብዘየገድስ፣ ኣዲኡ ሓጋዚ ዘይብላ ወዲ ስዉእ ድዩ፡ ወይስ ወዲ ህሉው ብዘይፈሊ፣ ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ፡ ኣብ ከባቢ ከተማታት ኤርትራ ቀላሚጦስ ክተክል፣ ኣብ ኣጻድፍ ግዋን ሽንድዋን ጎቦታት ክፍሕር ግዱድ ኢዩ። እቲ ተመሃራይ፡ ጎቦ ክፍሕር እንተዘይከይዱ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ክምሃር ኣይፍቀደሉን። ቃል ብቃሉ ድማ፡ ተተግቢሩ።

እንታይ ፋይዳኽ፡ ተረኺቡዎ?

ዜሮ! ዋላ ሓንቲ!

ካብዚ ከባቢ 30 ሚልዮን ንዓመት እንዳፈሰሶ፡ ዓመት መጸ በስገዳድ ዝተኻየደ መደብ ክረምታዊ ማእቶት፣ ኣመሓዳሪ ሰራየ ዝነበረ ኣቶ ኣድሓኖም ገረማርያም፡ ብዘይ ኣዋጅ፡ ብዘይ ኣስገዳድ፡ ብትሑት ባጀት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዘሰላሰሎ፡ ኣብ የማን ጸጋም ጽርግያ መረብ - ድባርዋ ኣግራብ ተኺሉ ዘዐጥዐ ወፍሪ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ዕዉት ከም ዝነበረ፡ ዝረኣየት ዓይኒ ትምስክሮ፡ ሓላፍ መንገዲ ድማ፡ ይነግሮ። ዕውት ስለዝነበረ ድማ፡ ኣመሓደርቲ ኩለን ኣውራጃታት፡ ኣሰሩ ስዒቦም።

ወፍሪ ይብሉኹም፡ እዚ ኢዩ።

}ናይ ኣይተ ኢሳያስ ግን፡ ንበይኑ ኢዩ። ሕስብ እንተበልካዮ፡ መመሊሱ ዝድንጽወካ፡ ከተመኽየሉ ዘይከኣል፡ መስደመም ኢዩ።

ከብዲ ሓረስታይ ጥሜት እንዳባሕጎጎ፡ ካብ ማሕረስን መጓሰን ቆልዑት መንዚዕና፡ "ጎቦታትና ሓመድ ከይብሕጉጎ፡ ንዝመጽእ ወለዶ መታን ክንዕቅቦስ፡ ኩዒትናዮ!" ዝብል፡ ናይ ደዋይት ምኽኒት ክቐርብ እንተዘይኮይኑ፡ መደብ ክረምታዊ ማእቶት እምብኣር፡ ወላ ሓንቲ ፋይዳ ኣይተረኽቦን። ኣመና ከቢድ ማህሰይቲ ግን ኣኸቲሉ። ብሰንኪ'ዚ መደብ'ዝን፡ ብሰንኪ ድሒሩ ዝመጸ ኣዋጅ ሳዋን፣ ሓረስቶት ኤርትራ፡ ብሓለንጊ ጥሜት እንዳተለብለቡ፡ ኣብ ሩባ ድኽነት፡  ድከቶም ይሰትዩ ኣለዉ።

ካብቲ ብሰሩ ዝመጸ ኣሻዂ ድኽነት ግን፡ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዒምምን ተቓውሞን ዝተቐበሎ ኣዋጅ ጎደሎ ቀልቦም፡ ኣብ ኤርትራ ዘተኣታተዎ ሕማቕ ባህሊ፡ ይገድድ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡-

እቲ ክንገልጾ ዝደለና ጉዳይ ንምርድኡ ቅልል መታን ክብል፡ ፈለማ፡ ኣብ 1991 ዝነበረ ኣቃውማ ሕብረተስብ ኤርትራ ንተዓዘብ።

ከባቢ 85 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብማሕረስን ብመጓሰን ዝነባበር ህዝቢ ኢዩ። ብኣህዝ ምግላጹ ምስ ዘድሊ፡ ሓረስታይን ጓሳን ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ህዝቢ፡ ዘዐቓልል ክፋል ኢዩ።

ከባቢ ሽዱሽተ ካብ ሚእቲ፡ ማለት፡ ልዕሊ ከባቢ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ዘዐቓልል ክፋል፡ ምስ ደቅኻ ተሓጋጊዝካ ኣብ ዝሰላሰል፡ ከም መደበርን ሹቕን ናይ ኣስመራ ዝመሳሰል፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ዝርከብ ኢደ ጥበባዊ ስርሓትን፡ ናእሽቱ ናይ ጨው በርበረ ድኳናትን፡ ናይ ባንኮ ወይ ናይ ማርሻቤዲ ሸቐጣትን ተዋፊሩ ድራር እለቱ ዝምእርር ኢዩ።

ከባቢ ሰለስተ ካብ ሚእቲ፡ ማለት ከባቢ ተስዓ ሽሕ፡ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ፡ ስንኩልን፡ ሓውሲ ስንኩልን፡ በዓል ምሉእ ኣካላትን ተጋዳላይ ኢዩ።

ክልተ ካብ ሚእቲ፡ መነባብሮኦም ካብተን ውሑዳት ፋብሪካታትን፡ ቤት ዕዮታት ሓጺንን ዕንጨይትን ዝጽበዩ፡ ስድራቤታት ሸቓሎ ኢዮም።

ሰለስተ ካብ ሚእቲ፡ ኣብ ምዕብል ዝበለ ንግዲ፣ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈታት መንግስትን፡ ሃማኖታዊ ትካላትን ዝተዋፈሩ ስድራ ቤታት ኢዮም።

ሓደ ካብ ሚእቲ ድማ፡ ደቆም ናብ ገለ ካብዚ ኣቐዲምና ዝዐቕስናዮ መዳያት ዝተዋፈሩ፡ ኣብ ዕድመ ሽምግልና ዝርከቡ፡ ዑረታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕለቡ ኢዮም።

ኣቃውማ ተመሃሮ ኤርትራ ምስ እንዕዘብ ድማ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ከባቢ 85 ካብ ሚእቲ ተመሃሮ ኤርትራ፡ ካብ ግዜ ቁልዕነቶም ኣትሒዞም፡ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ስድራቤቶም ንዑፍ ተራ ዝጻወቱ፡ ደቂ ሓረስቶት፡ ደቂ ሸቃሎን፡ ደቂ ቀጥቃጦን፡ ደቂ ናእሽቱ ሸቃጦን ኢዮም። እዚ ማለት፡ እቶም ክረምቲ ኣብ ጸወታን ዕረፍትን ዘሕልፉዎ ተመሃሮ፡ እንተበዝሐ፡ ካብ 15 - 20 ሚእታዊት ናይ ተመሃሮ ኤርትራ ጥራይ ኢዮም ማለት ኢዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ፡ ናብ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ክዋፈር ዝግብኦ መን ኢዩ? 

ደቂ ሓረስታይ፡ ንወለዶም እንዳተሓጋገዙ፡ ቀለብ ሓጋዮም ኣብ ምእካብ ድዮም ክዋፈሩ ዝግባእ፣ ወይስ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ፡ ደቀምሓረ፡ ከረን፡ ጊንዳዕ፡ መንደፈራ፡ ተሰነይ፡ ኣቑርደት፡ ናቕፋን ዓረዛን፡ ቀላሚጦስ ክተኽሉ?

ኣየናይ ኢዩ ህይወት ዝዐልቦ ግድነት?

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ፡ ወዲ ሓረስታይ፡ ናብ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ከዋፍር ኣዋጅ ዘመሓላልፍ መንግስቲ፡ እንታይ ትብሉዎ?

ዓበይቲ ኣሕዋቶም ናብ ስደትን ናብ ገድልን ዝኸዱ ደቂ ሓረስታይስ፡ "ፍግረ መሬት ከይበልዖ፡ ማይ ከይብሕጉጎ፡ ኣብ ኣጻድፍ ግዋ ጎቦ ኮዓቱ!" ይብሃል?

እቲ ቀለብ ዓመቶም ዝረኽቡሉ ግራቶም ከ፡ መን ይሕረሶ? ካብ ስድራ ቤቶም ፈሊኻ፡ ኣርሒቕካ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ፡ ቀላሚጦስ ትኸሉ እንድሕሪ ኢልካዮም፡ ድንሾም መን ይትከሎ? ዕፉኖም መን የብቁሎ? ላሞም መን ይሓልዋ? ብዕራዮም መን ይከናኸኖ?

ደቂ ሓረስታይ፡ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ክሳተፉ እንተገዲድካዮም፡ መስከረም ጥቅምቲ ምስ መጸ፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ እንታይ ይቀለቡ? ጥራዙ፡ ርሳሱ፡ ክዳኑን ሳእኑን፡ ካበይ ይረኸብ?

ወላ ሓረስቶት ኤርትራ ብእኽሊ ዝዘቕበቡ፡ ብሽሻይ ዝተኸበቡ እንተዝኾኑ'ውንኮ፡ እዛ ለጋስ መሬት፡ ብቕሙጥካ፡ ከይኮዓትካያ እትዕድሎ ሽሽይ የብላን። ሽሻያ ኣብ ከርሳ ስለዝኾነ፡ መሬት፡ ኣብ ወቕቲ ክሕረስ የድልዮ። ኣብ ወቕቱ ክዝራእ የድልዮ። እኽሊ ምስ በቖለ፡ ምኹስኳስ የድልዮ። ጭሩ ከይትበልዖ፡ መፍለስ ከየምንክሎ፡ ቅንፍዝ ከይትሽምጥጦ፡ ህበይ ከይተምክኖ፡ ሓለዋ የድልዮ።

መሬት እዚ ኩሉ ዕማም ዘድልያ ካብ ኮነት፡ ልዕሊ 18 ዘለዉ፡ ናብ ሳዋ፣ ልዕሊ ሻዱሻይ ክፍሊ ዘለዉ ኩሎም ተመሃሮ ድማ፡ ከካብ ዓዶምን ሕርሻኦምን ርሑቕ ኣብ ዘሎ ከባቢ ከተማታት፡ "ጎቦ ኮዓቱ!" እንተይልካዮም፡ ነቲ ዘዝዓበዩ ደቁ ድራር ጥይት ዝኸፈለ ሓረስታይ፡ ኣብ እርጋኑ፡ መን ይሓግዞ?

ብርኪ ሓረስታይ፡ ብዕድመን ብመከራ ሕሱም መግዛእቲ ደርግን ምስ ደረቐ፣ ዳንጋ፡ ኣጽዋርን ቦምባታትን ከቀባብል፡ ጎዳጉዲ ድፍዓት ክኹዕት፡ ብእዚ ተጋደልቲ ምስ ደኸመ፣ መላግቦታት መሓውሩ፡ ብክቱር ጻዕሪ ምስ ላሕልሐ፣ ሕቖ ደሪቑ፡ ዓዐጥ ክብል ምስ ጀመረ፡ መን የብርዮ?
ነታ ብሻቕሎት ተጋደልቲ ደቃ፡ ዓይና ዝቖርቆረ ወላዲት፡ ኣብ እርጋና፡ መን ዕንጨይቲ የምጽኣላ? መን ሩባ ይረደላ? መን ይለኣካ?

ክቡራት ኣሕዋት፡

ምስ ምሉእ ኣእምሮን ኣካላትን ዝተወልደ ኩሉ ሰብ፡ ብተፈጥሮ ምስኡ ዝበቁል ሓንጎል ስለዘለዎ፡ ዓመታት ቁልዕነት ስግር ካብ ዝብልሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ንነገራት፡ ንክውንነት፡ ሰብ ኢሉዎ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ሓሲቡ፡ ተመራሚሩ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ብቕዓት ኣለዎ።

}ሕና ኤርትራውያን ድማ፡ ሰብ ደቂ ክቡር ሰብ ኢና። እዚ መልእኽቲ'ዚ፡ ብፍሉይነት ናባና ናብዞም ኣብ ምዕቡል ዓለማት እንነብር ዘለና ዝምልከት ስለዝኾነ ድማ፡ ተወሳኺ ብልጫ ኣለና። እንነብርሉ ሃዋህዉ ዘይጸልወና ሬሳታት እንተዘይኮንና፡ ንሕና እዞም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን፡ በዓል ዐበንጃን ካራን ከየፈራርሓና፡ በዓል ሓይልን በትርን ከይደሃለና፡ ብናጻ ክንሓስብ፡ ብናጻ ክንመራመር፡ ሰብ ዝብሎን ዝዛረቦን ባዕልና መሚና፡ ኣብ ናትና መደምደምታ ክንበጽሕ፡ ምሉእ ዕድል ኣለና።

ስለዚ፡ ኮነ ኢልና ንሓቂ ክንሕሰማ እንተዘይደሊና፡ ንኣቃውማ ሕብረተሰብናን፡ ናብራ ሓረስታይ ህዝብና ንዝዐልቦ ግድነታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1992 ዘተግበሮ መደብ ክረምታዊ ማእቶት፡ ናይ ጥዑያት ድዩ ኔሩ፡ ወይስ ናይ ዓዋናት፡ ብቀሊሉ ክንርዳእ ዘጽገመና ኣይኮነን።

ሕሰቡዎሞ ኣሕዋትን ኣሓትን!

እቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ደቅና፡ ድሓን ይጽንሑልና። ናቶም ዘዛርብ ኣይኮነን። ንሕና ምስ ለበምና ዝተሰደድና ግን፡ ዝበዛሕና፡ ደቂ ሓረስቶትን ሸቃሎን ኢና። ዝተረፍና ድማ፡ ናብራ ሓረስታይ ንፈልጦ ኢና። 

ከምቲ እንፈልጦ ድማ፡ ኣቦ እንዳሓረሰ፡ ኣደ እንዳጎልጎለት፡ ሓደ ቆልዓ፡ ነተን ንኽዳንን ጨው በርበረን ዝኸውን ገንዘብ ዝርከበን ዐòለ በጊዕ ይሕሉ። ሓደ፡ ይሓዳ ይብዝሓ፡ ከብትን ኣድግን ሒዙ፡ ንመሮር ይወፍር። ዝተረፉ ድማ፡ ደቂ ሰማእታትን ምዉታትን፡ ክንዲ ሰብኡት ኮይኖም፡ ኩሉ የማልኡ። ኣቦታቶም ዘለዉ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ንወለዶም የብርዩ። ኣብ ጎድኒ ወለዶም ኮይኖም፡ ግራቶም ኣብ ምጽሃይ፣ ማይ ንምምጻእ ሩባ ብምውራድ፣ ኣብ ክንዲ ኮበርታን ኣንሶላን፡ ምሸት ፈውሲ ቁሪ ሓዊ ዝስሕኑሉ፡ ምስሖምን ድራሮምን ንምስንካት ንምኽሻን ዘገልግል ዕንጨይቲ ኣብ ምእራይ ይተሓጋገዙ።

እሞ፡ ነዞም ኣብ ህይወቶምን፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤቶምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምዕባሌ ቁዐባን ዕቤት ሃገርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወቱ ቆልዑትስ፡ "ንዑ ኣብ መንጉዳ ዛላ ኮዓቱ ትብሎም? ንዑ ኣብ ድርፎ ቀላሚጦስ ትኸሉ ትብሎም?"

ጥዑይ ኣእምሮ እንተለካ፡ ኣይኮነን ከምኡ ክትብሎምስ፡ ናብ ሓንጎልካ ዝቕልቀል ጉዳይ እውን ኣይኮነን። ፈጺምካ ኣይትሓስቦን።  

እወ፡ ዕቡድ ወይ ጽሉል እንተዘይኮይንካ፡ ንደቂ ሓረስቶትን ጓሶትን፡ ንዑ ጎቦ ኮዓቱ፡ ኣይትብሎምን።

ህይወት ከመይ ከም ትንበር ዘይትፈልጥ፡ ዳንደ ጎደሎ ቀልቢ እንተዘይኮይንካ፡ ኣይትብሎምን። 
ካብ ሕማቕ ሃተፍተፍ ብጸጋም ዝተበራበርካ፡ "ናይ ሓረስታይ ኣይግድሰኒ፡ ናይ ህይወት ኣይግድሰኒ!" ዘብል ርኹስ ቆለ ዝሓዘካ ውቑዕ እንተዘይኮይንካ፡ ብፍጹም ኣይትብሎምን። 

ግምጥልሽ ዝብርሆ ጊንጥ እንተዘይኮይንካ፡ ኣይትብሎምን።

ብዛዕባ መንብሮ ትፈልጦ ዘይብልካ፡ "ኣነ ኢየ ዝፈልጥ!" ዘብል ጋኔን ዝሰረረካ ጉኑፍ እንተዘይኮይንካ፡ ንደቂ ሓረስቶት፡ ኣብታ.... ንስድራ ቤቶም ክሕግዙላ ዝግባእ ቀንዲ ወሳኒት ወቕቲ ክራማት፡ "ንዑ ኣብ መንዶበሉዎ ጉድጓድ ኮዓቱ!" ኣይትብሎምን።

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ሓሲቡዎ። ካብ ምሕሳብ ሓሊፉ፡ ኣውጁዎ። ካብ ምእዋጅ ሓሊፉ፡ ከም ሓደ ዓቢ....ይ ፍልስፍና፡ እንዳተጃህረ፡ ብተሊቪጅንን ብራድዮን ብጋዜጣን፡ ጥሩምባ እናነፍሐ፡ ኣተግቢሩዎ።

እወ፡ ፈላስፋ ሳሕል፡ ደቂ ሓረስቶት ኤርትራ፡ ከምቲ ንሱ ዝዓበዮ፡ ከምቶም ደቁ ድማ ዝዓብዩዎ ዘለዉ ህይወት፡ ክረምቲ ክረምቲ፡ ኩዕሶ ክቕብቅቡ ዝኸርሙ መሲሉዎ፣ ከምቶም ውሑዳት ደቂ ሰብ ምያ፡ ኣና-ዳዋ ክጻወቱ ዝውዕሉ መሲሉዎ፣ ከም ደቂ ወተሃደር፡ ካብ ገዛ - ናብ ስታንሳ እትው ውጽእ ክብሉ ዝኸርሙ መሲሉዎ፡ ግራቶምን ጥሪቶምን ደርብዮም፡ ኣብ እዋን ክራማት፡ ንሱ ናብ ዝወዐኖ መደብ ክሳተፉ፡ ኣውጁ። ኣገዲዱ፡ ኣተግቢሩዎ። ንዓመታት ድማ፡ ቀጺሉ።

"ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ጌሩ?" ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ቀሊል ኣይመስለናን። ምኽንያቱ፡ እዚ ውሳኔ'ዚ፡ ብኩሉ ጥዑይ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል መመዘኒታት፡ ማለት፡ ብቁዐባዊ ረብሓ፡ ብምምሕያሽ ናብራ፡ ብዕቤት ሃገር፡ ብሳይንስ፡ ብቁጽሪ፡...፡ ወዘተ፡ ክልካዕ ዝኽእል ኣይኮነን። ዘይርካ ዘይርካ ግን፡ እቲ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ዘመሓላለፈ ሰብ፡ ማለት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ግድነት፡ ዋሕዲ ቀልቢ ወይ ክፍኣት ልቢ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኣብነት ከም ዝኾነ፡ ዘዐራጥር ኣይመስለናን።

በዚ ክልተ ምኽንያታት ድማ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መራሒ ናይዚ ብሉጻት ደቁ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ክኸውን ከም ዘይግባእ፡ ኣትሪርና ንኣምን።

እቲ ኩልና ኣረጋጊጽና እንፈልጦ፡ ጉዳይ ግፍዕን ዓመጽን፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ማእሰርትን፡ ሞትን፡ ስደትን ምስ እንውስኸሉ እሞ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝውሰድ መርገጺ፡ "ንህዝቢ ኤርትራ ክመርሑ ኣይግባእን" ብዝብል ለጋስ መደምደምታ ዝውዳእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንደቂ ሰብ፡ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝገበረ፡ ብግብሩ ክሕተት ግቡእ ስለዝኾነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መጋበርያታቱን፡ ብኣረሜናዊ ግብሮም፡ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከም ዝግባእ፡ ንኣምን።

ስጊንዐïር ውሳኔ ኣቶ ኢሳያስ ግን፡ ብመደብ ክረምታዊ ማእቶት ጀሚሩ'ምበር፡ ብኡ ኣይተዛዘመን። "ካብ ግናይ ፍርዶም፡ ግናይ ልምዶም" ከም ዝብሃል፡ ናብቲ ዝኸፍአ ተግባራቶም፡ ማለት፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤርትራውያን ዝፈጸመዎ ማእሰርትን፡ መቕዘፍትን፡ ሞትን ከይሰገርና፣ ነቲ "ፖሊሲታት መንግስትናየ" ዝብሃለሉ፡ ከከይጀመረ ዝብርዕን፡ ቀለሙ ከከይነቐጸ ዕብዳን ምዃኑ ዝተረጋገጸ ቁዐባውን ማሕበራውን ውሳኔታቶም ጥራይ ምስ እነተኩር፡ ህግደፋውያን፡ ካብዚ ንኣብነት ዝገለጽናዮ ግናይ ፍርዶም፡ እቲ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝሰዓበ ግናይ ኣመሎም ከም ዝገድድ፡ ብቐሊሉ ከነረጋግጽ ንኽእል። 

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከማና ከምቶም ንዓመታት ሃውቲትና ዝነበርና፡ ሕጂ ግና፡ ጉዳያት ምስ በርሃልና ንሓርነት ነድምጽ ዘለና ደቁ፡ ፈለማ ወላ እንተተገርሀ፣ ኣማስይኡስ፡ እንታይነት መንግስቲ፡ ብህይወት ሰብ ስለዝምዘን፡ እንታይነት ስርዓት ህግደፍ፡ ብህይወቱ፡ ግርም ጌሩ መዚኑዎ ኢዩ።

እንታይነት መራሕ መንግስቲ፡ ብመነባብሮ ህዝቢ፡ ብክራይ ገዛ፡ ብዋጋ ኣስቤዛ፣ብሪጋ ባኒ፡ ብሪጋ ላምባ ስለዝዕቀን፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ እቶም ምስኡ ኮይኖም "ኣያኒ ኢስያስ ከም ዝበሎ" ብምባል፡ ንትፋእ ዕቡዳት ከም ማና ሰማያት ዘኮማስዑ መደናገርቲ ውሑዳትን፡ ሕማም ምዃኖም፡ ቀደም ተገንዚቡዎ ኢዩ።

ስለዝተገንዘበ ድማ፡ "ኣድጊ እንታይ ሕማሙ፡ መንደፍ፣ ህዝቢ እንታይ ሕማሙ፡ ህግደፍ!" ኢሉ ይምስል ኣሎ።

እወ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም ንዕሽነት ኣመንጊጎም ኣብ ልቢ ህዝቢ ከስፍሩዋ፡ ኣብ ኣንጉዕ ገርሂ ከስርጹዋ ብምሕላን፡ ለይትን ቀትርን ብራድዮን፡ ብጋዜጣን፡ ብተለቪጅንን ሓኾት ዝብሉ ሓምያን፡ ኣለልዩዎም ኢዩ። 

ነቶም ብጉልባብ ውሕስነት ሃገር፡ ብሓይሊ ዐበንጃ፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ማእሰርትን ሞትን ዝገብሩዎ ዘለዉ ውሑዳት መጋበርያታት፡ ኣጽኒዑዎም ኢዩ።

ህግደፋውያን ንምንታይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝዓጽዉ፡ ንምንታይ ጳጳስ ከም ዘጸልሙ፡ ንምንታይ ሸኽ ከም ዝሕይሩ፡ ንምንታይ ከም ቀሺ ዶክተር ፍጹም ንዝበሉ ጻድቃን ከም ዝኣስሩ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ፡ ቀደ...ድ ኢሉ በሪሁሉ ኢዩ።

እወ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዓል ጴጥሮስ፡ በዓል በራኺ፡ በዓል ድሩዕ፡ በዓል ሸሪፎ፡ ስለምንታይ ከም ዝተኣስሩ፡ ተረዲኡዎ ኢዩ። ኣቶ ኢሳያስ፡ ዐላም ብጾቱ ምዃኑ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ፡ ፈሊዑዎ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንስርዓት ህግደፍ፡ ብናብርኡ፡ ብህይወቱ ደቁ፡ ብባህሉ፡ ብሃይማኖቱን ብኩሉሙሉን መዚኑ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ኢሰፓ፡ "ፎእ" ኢሉዎ ኢዩ።  ጨኒቑዎ ዘሎ፡ ነዚ ጾር'ዚ፡ ከመይ ጌሩ ካብ ዝባኑ ከም ዝድርብዮ ኢዩ። እወ፡ ህግደፍ ሕማም ከም ዝኾነ ኣጸቢቑ ወላ እንተተነጸረሉ፡ ነዚ መንሽሮ'ዚ ከመይ ጌሩ ከም ዝፍውሶ ግን፡ ብሓቂ ጨኒቑዎ ኣሎ።

ግዴና፡ ተራ ናይዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር ዘለና ኤርትራውያን'ምበኣር፡ ኣብዚ ኢዩ ኣገዳስነቱ። ሓገዝና፡ ኣብዚ ኢዩ ዘድሊ።

ኣስካሕካሒ ህይወት ህዝብና ካብ ፈለጥናዮ ድማ፡ ወግሐ ጸብሐ ንሕሰም ህዝብና ካብ ምጽብጻብ ሓሊፍና፣ ነዚ "ፎእ" ዝበሎ ስርዓት መንከኒኖታት፡ ካብ ክሳዱ ክድርብዮ፡ ክንሕግዞ የድሊ።

ነዚ ካብ ጓኖት ዝገድድ ስርዓት ጎሓላሉ፡ ከምቶም ዝቐደሙ ጨቆንቲ ክብሕጉጎ፡ ኣጆኻ ክንብሎ ይግባእ።

ነዚ ስም ተጋዳላይ ለቢሱ ናብ ስልጣን ዝደየበ በዓል ክልተ ኣፍ መርዛም መንደላይ፡ "ዝሓለፈ ይእከልካ!" ንኽብሎ፣ ፈለማ፡ ንሕና ኣብ ማዕዶ ዘለና ደቁ፡ "ሄሄ፡ ኪድ ድኣ ሎምስ፡ ተፋሊጥና ኣለና! ካባኻ ዝበልጹ ኣሕዋት ኣለዉና!" ንበሎ።

ብሕጽር ዝበለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እፎይ ክብል፡ መንእሰያት ኣስተርሕዮም ኣብ ሃገሮም ንክንበሩ፡ ጸረር ንብዓት ኣዴታትና፡ ዐዐው ክብል፣ ህዝብና፡ ኣብ ከተማታትን ገዐራትን ጎቦታትን ኤርትራ፡ "ሽገይ ሃቡኒ፡ ኣይተታልሉኒ" እንዳበለ ክዝምር ከነተባብዖ፡ ሓላፍነትና ከም ዝኾነ ንኣምን።
  
በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምሽብሻብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ሰሙን፡ በቲ ሓደ፡ ንዕኡ በገባብ ንምቅላሕ፣ በቲ ሓደ ድማ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንክውዳእ፡ "ዘበን ዒምም ይእከል፡ ሽገይ ሃቡኒ ንበል" ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳሎናዮ፡ ናብ ኩሉ ብጉዳይ ህዝቡ ዝሓምም ኤርትራዊ ዝቐንዐ መጸዋዕታ ነመሓላልፍ ኣለና።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡

}መልእኽትና፡ ንውሕ ዝበለ ብምኳኑ፡ ኣብ ክፋላት መቓቒልና ከነቕርቦ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺብናዮ። ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ ክፋል ድማ፡ ካብ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲን፡ ቅድሚኡ ብዝተፈላለዩ ደለይቲ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተሰላሰሉ ሰልፍታትን ብዝተቐስመ ተመኩሮ መሰረት፡ "ንህዝብና ብከመይ ክንሕግዞ ንኽእል? ስቓዩ ክሓጽር፡ እንታይ ይገበር? ብዝበለጸ ኣድማዒ ንክኸውን፡ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብከመይ ይወደብ? ብከመይከ ይካየድ? ሰላማዊ ሰልፊታት ማዕበል እንዳኾኑ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን፡ እንታይ ክገብር ንጽበዮ? ብከመይከ ክንብድሆ፡ ብከመይ ክንቅድሞ ንኽእል?" ንዝብሉ ሕቶታት ክንድህስስ ለዝኾና፡ ክትከታተሉዎ ንዕድም።

ቅድሚ ምፍልላይና ግን፡ መልእኽትናን መግለጺናን፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጻር፡ "ፍታሕ ንምምጻእ ይሕግዝ ኢዩ!" ብዝብል ቅዱስ ሕልና ነቕርቦ ስለዘለና፡
"ዝበለጸ መገዲ በዚ ኣሎ!
"ዝቀለለ ከምዚ ኣሎ!
"እዚ ኣጒዲልኩሙሉ!
"እዚ መልኡሉ!
"እዚ ተጋጊኹም!
"እዚ ኣርሙዎ!" ዝብል ርእይቶ ኣሕዋት፡ ብምሉእ ቅሩብነት፡ ብኽፉት ልቦና፡ ብደስታ ከም እንቕበሎ እንዳሓበርና፣ ርእይቶኹምን፡ ነቐፌታኹምን፡ መኣረምታኹምን፡ ክትልእኩልና፡ ነተባብዕ።


ሓድነት ኤርትራውያን ኣንጻር ምልኪ
ዋሽንግቶን ዲሲ
ሕዳር 16፡ 2006